Interview (ኣሕተምቲ ሕድሪ)

ባሕሪ ኣብ ጭልፋ

ደጀን ኪዳነ


ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ፡ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲና ይዝንቶ ከም ዘየሎን ሰብ ታሪኽ ብዝተኻእለ መጠን ንኽጽሕፉ ክተባብዑ ከም ዘለዎምን ይግለጽ’ዩ። ብመጀመርታ ክንሓቶ ዘለና ሕቶ፡ ንምዃኑኸ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ኣይዝንተውን ድዩ ዘሎ? ኣብ ዓምድታት ማህደር ጀጋኑ፡ ብመንገዲ ቲቪ ኤረ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ሬድዮ መደባት ዝቐርቡን ኣብ ቀጻሊ ዝሕተሙ ዘለዉ መጽሓፍትን ብዙሕ ዛንታታት ይዝንቶ’ዩ። ካብዚ ብዝሒ ዛንታታት ክንደይ’ዩ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ኣንበብቲ ጦብላሕታ ዝፈጠረ? ኢልና ክንሓትት ኣድላዪ እዩ። ብዘይካ ውሑዳት ድርሰታት፡ እቲ ዝበዝሐ ጽሑፍ ጽልዋኡ ኣብ ኣንበብቲ ከምቲ ክዀኖ ዝግባኦ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ፡ ዑምቀት ዘለዎ፡ ብመለክዒ ስነ-ጽሑፍ ላዕላዋይ ደረጃ ዝሓዘ ጽሑፋት ምድላው ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

“ካብ ባሕሪ ብጭላፋ” ዝብል ሓረግ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ኣዝዩ ልሙድ ኣበሃህላ’ዩ። ከም መእተዊን መወጽእን ናይ ዝተፈላለዩ ትረኻታት ኰይኑ ድማ ይቐርብ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ነቲ ዘይነጽፍ ታሪኻዊ ቅያታት ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ኰይኑ፡ “እዚ ደኣ እንታይ ኣለዎ፡ ካልእ ከማን ዘይተነግረ ቅያታት ኣሎ፡” ዝብል ይመስል። ብዘይካ’ዚ ጸሓፍቲ ትሕትና ንኸርእይሉ ዝጥቀመሉ ኣበሃህላ’ውን ክኸውን ይኽእል። “ኣነ ዘበርከትኩዎ እዚ’ዩ፡ ካልእ ክጽሓፍ ዝኽእል ዝዓበየን ዝበለጸ ስራሕን ከም ዘሎ’ውን ኣይስሕቶን፡” ዝብል ስምዒት’ውን ዝሓዘለ ኰይኑ ይስምዓኒ።

“ካብ ባሕሪ ብጭልፋ” ሓንቲ ሕቶ ከተልዕለ ትቕስበካ፥ “ኩላትና ሓሓንቲ ዓባይ ጭልፋ ሒዝና እንተ ንቐድሕ፡ እቲ ባሕሪ ምተቐድሐዶ?” እዚ ሓሳብ’ዚ ክትሓስቦ ደስ ዘብል’ዩ፥ ነፍሲ-ወከፍ ታሪኻዊ ፍጻመ ልክዕ ከም ኣብኡ ዝነበርና፡ ዳግም ተመሊስና ክንዘናግዓሉ፡ ከነስተንትን ከምኡ’ውን ክንመሃረሉ ምኸኣልና። ሽዑ እቶም ሰብ ታሪኽ ምስ ብጾቶም ተመሊሶም ብሓንሳብ ክስሕቁ፡ ክነብዑ፡ ከዋግዑ፡ . . . ምኸኣሉ። ካብ ኩሉ ድማ እቲ ንናጽነት ዘብጸሐ መብጽዓን መትከልን ቀጻሊን ህያውን ኰይኑ እናነበረ፡ ኣንፈትና ከይንስሕት፡ ሓባሪን ኣማእዛኒን ምዀነና።
ባሕሪ ታሪኽ ግን ኣይነጽፍን’ዩ። ወለዶ ድሕሪ ወለዶ ካብኡ ክቐድሑ ይኽእሉ’ዮም። ባሕሪ ታሪኽ ኣይነጽፍን’ዩ። ኣብ ገለ ጽሑፋትና ነቲ ባሕሪ ንምንጻፍ ዝዓለመ ዝመስል፡ ነቲ ኹሉ ታሪኻዊ ጒዕዞ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መጽሓፍ ክትረኽ ዝፍተን ኣሎ። ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ማእለያ ዘይብሎም ፍጻሜታት ተጠቒሶም ይሓልፉ። እቲ ጸሓፊ’ውን ብድሕሪ’ታ መጽሓፍ ካልእ መጽሓፍ ዝጽሕፍ ኣይመስልን። ጭልፋ ብጭልፋኡ ገዚፍ ጭልፋ ምልዓል ከም ዝሓሸ ኣማሪጺ ስለ ዝተወስደ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ውሱን ፍጻመ ኣተኲርና ብዕምቆት ምስ እንትርኽ፡ እታ ሓንቲ ፍጻመ ብዙሕ ሸነኻት ናይቲ ቃልሲ ክትገልጸልና ትኽእል። “ክልተ ቕነ ኣብ ድፋዓት” ከም ሓንቲ ኣብነት ክንወስዳ ንኽእል። እታ ዛንታ ኣብ ሓደ ፍጻሜ ዘተኰረት ክነሳ፡ ንብዙሓት ክብርታትን መለለዪ ሰውራ ዝዀኑ ባህልን ልምድን ተጋደልቲ ጠቒሳ ኣላ። ኣብዛ ሓጻር ዛንታ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ክንፈልጥ፡ ክንምሰጥ፡ ከነስተንትን ከምኡ’ውን ክንግረም ንኽእል። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝነበረ ሃዋሁው እኹል ስእሊ ከም ዝህልወካ ትገብር። በዚ መንገዲ’ዚ፡ ነዛ መጽሓፍ ምንባብ ካብ ንብዙሕ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝሓዘለት ዕምቆት ዘይብላ ጽሕፍቲ ንላዕሊ ብዛዕባ ታሪኽ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ክንፈልጥ ንኽእል።

ኣብ ስነ-ጽሑፍ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ሃገርና ንጥቀመሉ ቋንቋ’ውን ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ዛንታ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ዝደጋገም ዘሎ ኰይኑ ይስምዓካ። እቶም ገጸ ባህሪ ኩሎም ተመሳሰልቲ ኰይኖም ትረኽቦም። ተጋደልቲ ይዂኑ መኮንናት ስራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ብዙሕ ጽሑፋትና ተመሳሳልነት ኣለዎም። ነዚ ንምውጋድ ኣብ ኣጸሓሕፋና ሓድሽ ኲርናዕ ጠመተ ክህልወና ኣድላዪ እዩ። እቲ ታሪኽ ብብዙሕ ኲርናዕ ምስ ዝዝንቶ፡ ብዝበለጸ ይግለጽ ኣሎ ማለት’ዩ። ንኣብነት፡ ተጋደልቲ ከም ተዋጋእቲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ሰብ፡ ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ክጸንዑ ዘኽኣሎም እንታይ’ዩ? ኣብዚ ነዊሕ ቃልሲ እንታይ ዓይነት ብድሆ የጋጥሞም ነይሩ? ኣብ ውሽጦም ዝተፍጥረ ምስ ቃልሲ ይዂን ምስ ህይወቶም ዝተተሓሓዘ ሻቕሎትን ግጭትን ብኸመይ ይፈትሑዎ ነይሮም? ሰውራ’ኸ እንታይ ዓይነት መሰናኽል ሓሊፉ? እንታይ ዓይነት ጌጋታትን መእረምታን ይግበር ነይሩ? ሰራዊት ኤርትራ ምስ ከመይ ዓይነት ሰራዊት ገጢሙ’ዩ ተመኲሩ? ሰራዊት ኢትዮጲያ እንታይ ዓይነት ፍሉይ ብልጫታት ነይሩዎ? ወላስ ኩሎም ወተሃደራትን መኳንንቲን ደርግ ፈራሓትን ብልሒ ኣልቦ’ዮም ነይሮም? ነዚ ሕቶታት ምምላስ ንታሪኻዊ ስነ-ጽሑፍና ዑምቆት ዘለዎ፡ ተነባብን ተባህግን ክገብሮ ይኽእል።

ታሪኻዊ ስነ-ጽሑፋትና ብሉጽ ክኸውን ንኣንበብቲ ካልኦት ዜጋታት’ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ። ተተርጒሙ ንኻልኦት ዜጋታት ክምስጥን ክምህርን ከም ዝኽእል ኰይኑ ክቐርብ ኣለዎ። ካብ ባዕላዊ ስምዒታትን ኣድልዎ ዝሓዘ ቋንቋ ወጺእና ብናጻ ኣገላልጻ ምስ እንትርኽ፡ እቲ ናይ ካልእ ዜጋ ኣንባቢ’ውን ብዘይ ኣድልዎ ከንብቦ ይኽእል’ዩ። ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ’ቶም ኣብ ዓለምና ዝዝንተዉ ሰውራታት ኣገዳሲ ክነሱ፡ ክሳብ ሕጂ ብዓለምለኻዊ ደረጃ እኹል ሸፈነ ክህልዎ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ድማ፡ ስነ-ጽሑፍና እቲ ዝድለ ደረጃ ብቕዓት ስለ ዘይበጽሐ ክኸውን ስለ ዝኽእል ብዕቱብ ክትሓዝ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ።

ስለዚ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምቕዳሕ ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ባሕሪ ቀዲሕና ክንውድኦ ስለ ዘይንኽእል፡ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ባሕሪ ኣብ ጭላፋ ምእታው’ዩ። ባሕሪ ኣብ ስፍሓት ዓቢ ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ኣብ ዓይነት ግን ውሱን’ዩ። እታ ኣብ ጭልፋ ተቐምጣ ማይ ባሕርን እቲ ባሕሪ ብዓቢኡን ብዓይነት ሕደ ኢዮም። ልዕሊ 30 ዓመት ጒዕዞ ቃልሲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍጻሜታት ዝሓዘለ’ዩ፣ ነቲ ሰውራ ዘዐወቱዎ ክብርታትን ዘሕለፎም ብድሆታትን ግን ኣብ ፈጸምቱን ናይ ፍጻሜ ቦታን ግዜን ክፈላለ’ኳ እንተኸኣለ፡ ኣብ ዓይነት ግን ተመሳሳልነት ኣለዎ። ስለዚ ኣድህቦና ኣጽቢብና ኣብ ክንዲ ኣብ ብዝሒ ፍጻሜታት ኣብ ዓይነት ኣተኲርና፡ እቲ ሰውራ ዘሕልፎ ተመኲሮ ብዕምቆት ብምዝንታው፡ ዝተፈላለየን ፍሉይን ኲርናዕ ብምልዓል፡ ነቲ ባሕሪ ታሪኽ ዳህሲስና ክንውድኦ ዋላ እንተ ዘይከኣልና፡ ጽቡቕ ጌርና ከነስተማቕሮ ክንበቅዕ ኢና።