Interview (ኣሕተምቲ ሕድሪ)

ተደጐል

ዛንታ ኤርትራዊ ወራሲ
ኤፍረም ሃብተጽዮን

''ጥበብ፡ ተውህቦ ድዩ ብትምህርቲ'ዩ ዝጥረ?'' ንነዊሕ እዋን ዘካተዐ ኣርእስቲ እዩ። ሓደ ናይ ስነ-ቋንቋ ምሁር፡ ''ብዘይቀልዓለም እቲ 95 ሚእታዊት ተውህቦ እዩ። እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሚእታዊት ከኣ ነቲ ተውህቦ ከተንጸባርቕ እትመሃሮ እዩ፡'' ይብል።

ኣብ ዳሕረዋይ ገበር መጽሓፍ ተደጐል ቀሪቡ ዘሎ፡ ብዛዕባ ደራሲ ዝገልጽ ሓጺር ሓበሬታ፡ ነዛ ሕቶ ዳግም ክሓስበላ ደሪኹኒ። ኣብታ ብማሕሙድ ኢብራሂም ተደሪሳ፡ ኣብ 2014 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተሓትመት መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ጽባቐ ኣዘናትዋ፡ ሓይሊ ኣገላልጻ. . .፡ ንሓይሊ ''ተውህቦ!'' ዝገልጽ ኮይኑ ረኺበዮ። ደራሲ፡ ነቲ ጽሒፉሉ ዘሎ ቋንቋ ትግርኛ፡ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ ዝተላለዮ እዩ። ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ፡ ስእለ-ኣእምሮ ዝፈጥር ጽባቐን ጽፈት ኣገላልጻን ኸኣ እንታይ እዋን መሊኹዎ የብል። ''ሓንቲ ስእሊ ሽሕ ቃላት ትዛረብ!'' ዝብል ፍሉጥ ብሂል ሞያ ጋዜጠኝነት ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ተደጐል ከኣ ቃላት ስእሊ ምዃኖም ዘእምን ስእላዊ ገለጻ ቋንቋ ተንጸባሪቑ ይርከብ። ነዚ ሓይሊ ዘንበበ፡ ተመራማሪ ታሪኽን ዓቢ ደራሲን ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ምስቲ ኣብ 20 ዓመቱ ምስ ቋንቋ እንግሊዝ ተላልዩ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝገበረሉ ፖላንዳዊ ጆሴፍ ኮንራድ እዩ ኣመሳሲልዎ።

ደራሲ፡ ኣብ መመረቕታ መጽሓፉ ኣብ ዘስመዖ ቓል ዝተጠቕመሉ ንጽህና ኣገላልጻ፣ ጽባቐ ቃላት፣ ጽይፍ ዝበለ ላህጃ፡ ነዳሪ ዝመስል ኣዘራርባ... ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሕጥበ-ጽሑፍ ድሙቕ ጣቕዒት ክረክብ ኣኽኢልዎ'ዩ። ገለ ካብቲ ደራሲ ዘስመዖ ቓል እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፥ (. . .)

መጽሓፍ ''ተደጐል'' ኣብ ፋንኮ - ከባቢ ተሰነይ - ብዕለት 29/08/2001 ክትጸሓፍ ጀሚራ፥ ክሳዕ እዛ ዕለት ኣስታት 13 ዓመት ገይራ ኣላ ማለት እዩ።

ክጅምራ ከለኹ ግን፡ ነዚ ልዕሊ 300 ገጻት መጽሓፍ ኰይኑ ዘሎ ናይ ክልተ ወራራት ዛንታ ኣብ ውሽጢ ዓመት ብመልክዕ ሓጺር-ዛንታ ኣቕሪበ ኣብ ፈስቲቫል ክወዳደረሉ እዩ ነይሩ መደበይ። ንዓመታ ራይሞክ ክሽለም'የ ዝብል ባዕለይ ርጉጽ ዝገበርኩዎ ትጽቢት ከም ዝነበረኒ'ውን ክሓብኣልኩም ኣይደልን።

እተን ተተሪኸን ዘለዋ ዳሕረዎት ክልተ ወራራት ዝሓቘፈ ፍጻመ፡ መጀመርታ ከም ሓጺር ዛንታ ከቕርቦ ምምዳበይ፡ ከምኡ'ውን ክሽለም ምሕሳበይ መቸም ድፍረት ዘይኰነስ ኣፍልጦ ስነ-ጽሑፍ ዘይምህላው እዩ ዘመልክት። ሓደ ዘይዘንጋዕኩዎ ዝብሎ ግን ጐድኒ-ጐድኒ ምጽሓፍ፡ ኣፍልጦይ ክብ ንምባል ክመሃር ከም ዝነበረኒ'ዩ። ዓቕመይ ክብ ንምባል ዝተጠቀምኩሉ ነገራት፡ መደባት ድምጺ-ሓፋሽ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ መጽሄታትና እዩ። እቲ ዓቕሚ ብዘይካ'ዚ፡ ካልእ መወከሲታት ክውስኽ ዝኽእል ኣይነበረን፣ ሕጂ'ውን ከምኡ።

ብሓጺር-ዛንታ ዝግለጽን ኣብ ውሽጢ ዓመት ክውድኦ ዝኽእልን ስራሕ ከም ዘይጀመርኩ ቀልጢፉ ተረዲኡኒ። መደበይ ካብ ሓጺር ዛንታ ናብ መጽሓፍ ብዝተቐየረ ኸኣ፡ ብዛዕባ መሕተሚ ገንዘብ ክሓስብ ጀሚረ። እቲ ጽሑፍ ብቕዓት ሃልዪዎ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ክሕተም ኣለዎ'ምበር፡ ንመሕተሚ መጽሓፍ ዝኸውን ሓገዝ ክሓትት ከም ዘይብለይ ደምዲመ። መጽሓፈይ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝሕተመሉ ደረጃ ንምብጻሕ ከኣ፡ ድሒረ ነቲ ብቑዕ ምዃኑ ዝተገልጸ መጽሓፍቲ መሪጸ ከንብብ ጀሚረ። (. . .)

ኣብ መንጐ'ዚ፡ ነፍሰይ ክፍትሽ ኢለ ኣብ ፈስቲቫል 2007፡ ''ቅልውላው'' ዘርእስታ ሓጻር-ዛንታ ሒዘ ተወዳዲረ። ሳልሳይ ደረጃ ምስ ሓዝኩን ናብ ሳልሳይ ደረጃ ዘውረደኒ ጕድለት ምስ ተነግረኒን ኣብ ደሓን ኵነታት ከም ዘለኹ ኣረጋጊጸ።...

ዛንታ ናይቲ መጽሓፍ፡ ንሓፊዝ ዝተባህለ ኣባል ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ሃኒጹ፡ ንወራራት ወያነ ድማ ከም ቀንዲ ምከና ተጠቂምሉ'ሎ። ብዙሓት መጽሓፍቲ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ጀመርቲ፡ ኣብ ቀዳሞት ገጻቶም ሓፈሻዊ ሓበሬታ ሂቦም'ዮም እናማዕበሉ ክኸዱ ዝፍትኑ። ኣብ ተደጐል ግን፡ ምስ ሓፊዝ እትደናገጽን ምስኡ ክሳብ መወዳእታ ክትቅጽል እትውስንን መጀመርያ መቕድም ደራሲ ምስ ኣንበብካ፤ ደሓር ከኣ ቀዳመይቲ ገጽ ምስ ገንጸልካ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ድማ፡ እቲ ዛንታ ምስ ጻውዒት ወፍሪ ልምዓት 1998 ተኣሳሲሩ ዝኸይድን ሓፊዝ ብዛዕባ'ታ ብዘይመጽለሊ ገዲፉዋ ክኸይድ ዝግደድ ስድራ-ቤቱን ዝተንጠልጠለ ጕዳይ ኣፍቃሪቱን ተኣሳሲሩ ስለዝዝንቶ እዩ። እዚ ድማ ንብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝገጠሞም ፈታኒ ብድሆ ግዜ ወራራት ስለዘንጸባርቕ ተንካፊን ተሃራፊን ይገብሮ።

''ክቱር ገዛ ናይ ምስራሕ ህንጡይነት ሓዲሩኒ ነይሩ። ገዛና ብሳዕሪ ዝተሰርሐ ኣጕዶ’ዩ። ካብ ዝርደኣኒ ብዙሕ ግዜ ተሓዲሱ'ዩ። እንተዀነ፡ ካብ ጸሓይ ደኣ’ምበር ካብ ዝናብሲ መሊኡ ኣዕቂሉና ኣይፈልጥን። ስለዚ፡ ዘተኣማምን ገዛ ዘይብላ ስድራይ ሓዲገ ክኸይድ[ክኸትት] ነብሰይ ምግባር ኣበየኒ። ብዘይ ገዛ እትቐውም ስድራ ብዙሕ ነገር እዩ ዝጐድላ። (. . .)

ኣገልግሎቱ ወዲኡ ካብ ዝፋኖ ዓመትን መንፈቕን ዘይመልአ ሓፊዝ፡ ብዘይስራሕ ኣብ ገዛ ኮፍ ዝበሎ ከም ዘይነበረን፣ ህይወቱ ንምምራሕ ድማ ከተማን በረኻን እናተንቀሳቐሰ ከም ዝሰርሐ ይገልጽ። ''ይኣኽለኒ ይኸውን’ዩ ዝበልኩዎ ገንዘብ ምስ ኣከብኩ ከኣ ምስራሕ ብሉኬቲ ጀሚረ። ከምቲ ዝገምገምኩዎ እንተዀይኑለይ፡ ነዳቓይ ጥራይ ቈጺረ፡ ካልእ ስራሕ ጉልበት ባዕለይ ዝሽፍኖ ገዛ ሰሪሐስ፡ ገለ ንብረት ገዛ’ውን ክገዝእ’የ።

ነታ ኣብ ኣእምሮይ ዝተሰርሐት ገዛ፡ ምስ ንብረታ ኣብ ባይታ ከም ዘላ እናሓሰብኩ ሕጕስ ነይረ። ዘሐጕሰኒ ዝነበረ ግን ገዛ ምስራሑ ጥራይ ኣይነበረን፡ ከም ትምኒተይ እንተዀይኑለይ፡ ነታ ገዛን ብድሕረኡ ዝቕጽል መደባተይን እንተዓሚመ፡ ካብ ኣሕዋተይ ናይ መጀመርታ ፈዳይ ጻማ ናይታ ከርቲታ ዘዕበየትና ወላዲትና ኣነ’የ ክኸውን። ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋተይ፡ ሓንቲ ተመርዕያ ሓዳራ ዝወጸት፡ ሓደ ተጋዲሉ ዘይተመልሰ ምስ ኰኑ፡ ሓላፍነት ናይ’ቶም ዝተረፍና ክልተ ደቃን ስንኩል ወላዲናን ገና ኣብ እንግድዓ ወላዲትና’ዩ ነይሩ።''

ከምዚ ዝበለ ሓላፍነት ስድራ-ቤት ዝተሰከመ ሓፊዝ፡ ጻውዒት ወፍሪ ልምዓት ምስ መጸ እንታይ እዩ ክገብር? በተግ ኢሉ ክኸይድ ድዩ ወይስ ጒዳይ ምስራሕ ገዛ ኣሰላሲሉ ከርክብ? ወሳኒ ሕቶ ይለዓል'ሞ ንጽህና ጸሓፋይ ብዝገልጽ ኣጀማምራ እቲ ዛንታ ይፍልም።

''እሞ 'ተበገስ' እናቐረበ'ዩ፡ መደብካ እንታይ'ዩ?'' ኢሉ ንሓፊዝ ዝሓተቶ ዓርኩ ክፍልዝጊ እዩ። እዛ ሕቶ ዘለዓዓለቶ ጕዳይን ንሓፊዝ ''ወላሂ ሽግር'ዩ!'' ኢሉ ክምልስ ዘገደዶን እቲ 'ብዘይ ገዛ እትቐውም ስድራ ብዙሕ ነገር'ዩ ዝጐድላ፡' ዝብል እምነት'ዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እንከሎ ጻውዒት ዘርከቦ ሓፊዝ፡ ነታ ገዛ ከይወድኣ ከም ዘይከይድ'ዩ ወሲኑ። እቲ ካልእ ዘተሓሳስቦ፡ መዓልቦ ዘይረኸበ ጕዳይ ኣፍቃሪቱ'ውን ኣሎ። ግድል ህይወትን እቲ ዝነበሮ ወጥርን ክገልጽ እንከሎ፥

ከተማ ከረን፡ ኣብ ማእቶታዊ ወፍሪ ካብ መሳቶይ በይነይ ተሪፈያ ምስ ነበርኩ ሕጂ ኵናት ምስ ተጀመረ ድማ እንሆ በይነይ ኣለኹዋ። ነቲ ኣብ ምዝዛሙ በጺሑ ዝነበረ ገዛ ከም ዘለዎ ግደፎ ኣይመጻንን። ኵናት ኣይበሃግኩን፡ ግን እቲ ኵናት ምእንታይ ክብል ንኣዋርሕ ክናዋሕ ደለኹ። ናብ ብጾተይ ከይተጸንበርኩ እቲ ኵናት እንተዓሪፉ፡ ሓደ ዘይክፈል ከቢድ ዕዳ ኣብ ዝባነይ ተራዕሪዑ ዝነብር ኰይኑ ተሰምዓኒ። ተጓይየ ኩሉ ክገብሮ ዝኽእል ወዲአ ምስ በልኩ ኸኣ፡ ብሓደ ጎነይ ሰንፈላል ዝገበረኒ፡ ምስ ኣፍቃሪተይ ዝገበርናዮ ምልልስ ኣብ ሓንጐለይ ቃጨለ።

ክብደት ናይቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ስድራ-ቤትን ምኽባር ሃገራዊ ጻውዒትን ቀርቂሩ ዝሓዞ ሓፊዝ፡ ኵናት ክናዋሓሉ እዩ ተመንዩ - ኵናት ግን ኣይበሃገን። ዛንታኡ ብቕኑዕን ንጹህን መረዳእታኡ ምጅማሩ እዩ ድማ ሓይሊ ናይቲ መጽሓፍ ኣብ መጀመርታ ገጻት ዝንጸባረቕ። ከም መንእሰይ፡ ጕዳይ ፍቕሪ'ውን ካልእ ዘይሰናፍ ብድሆ እዩ ነይሩ። ራውዳ፡ ዓርኩ ንሓፊዝ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብ ኣቦኣ እናተመላለሰ ይሓተላ ብምንባሩ ተሻቒላ እያ ሓዲኡ ግበረኒ ትብሎ ዘላ። ሌላኦም ብስድራ-ቤት ደረጃ ወግዓውነት እንተዘይለቢሱ፡ ነቲ ተሪር ኣቦኣ ዕርክነት ኣይንታዩን እዩ - ዓርኪ ኣለኒ ክትብሎ ኣይትኽእልን'ያ። ስለዚ ሓፊዝ፥

''ሕሰብዮ'ን'ዶ ባዕልኺ፡ ኣነስ ሕጂ ከመይ ገይረ እየ ንስድራይ ጓል ሕተቱለይ ዝብሎም?. . .''

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እዩ ድማ ጉዳይ ገዛ መዕለቢ ገይሩሉ፡ ንጕዳይ ኣፍቃሪቱ ንግዜ ገዲፉ፡ ብጾቱ ከርክብ ናብ ኵናት ዝተበገሰ። ሰዓት ምፍናው ምስ ኣኸለ፡ ወላዲቱ ትብሎ ዝነበረት ሰንፈላል ዝገብር ካልእ ተርእዮ'ውን ነይሩ። ''ዝሓለፈ ይኣኽለኩም ኣይበልካናን እምበኣር ረበ'ልዓለሚን! . . . ካብ ዓሊ ወደይ ሓድጊ ስኢነ እናበልኩስ ሕጂ ኸኣ. . .''

ሓፊዝ፡ ኣብቲ ጌና ኣንፈቱ ዘይፈለጦ ኵናት ክተርፍ ድዩ ወይስ ብሰላም ወጺኡ ባህጊታቱ ክምልእ ክምለስ'ዩ ከይፈለጠ ናብ ኣሃዱኡ ከደ። ኣሃዱኡ'ውን ከምቲ ሃገራዊ ኣገልግሎቱ ዝፈጸመሉ እዋን ብዘይምጽንሓን ብዙሕ ለውጢ ብምርኣዩን ጋን ኮኖ። ኵናት ክሳብ ክንደይ ንኩነታት ከም ዝቕይሮ ክርዳእ ድማ ምስ ደስበለ፡ ወዲ ቦጦሎኒኦም፡ ብዙሕ ኣዕለለ።

እቲ ከየርከበሉ ከይውዳእ ዝፈርሖ ኵናት እንደገና ዕለት 08 - 02 - 1999 ጀመረ። ነቲ ናይ መጀመርያ ተመኵሮኡ ክገልጽ እንከሎ ድማ ከምዚ ይብል፥ ''ብቐጥታ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽንኩር ኵናት ምእታው፡ ንዝበዝሕ ሓድሽ ተዋጋኢ ንግዜኡ ሰገጥ ከብል ዝኽእል'ዩ። እቲ ኣጽዋር ዝፈጥሮ ድምጺ፡ ትሕቲ ሓያል ነጐዳ ክረምቲ ክኸውን'የ ዝጽበ ነይረ። እንተዀነ፡ ከምኡ ዝበለ ዘጨንቕ ድምጺስ ሰሚዐ'ኳ ኣይፈልጥን።'' እቲ ኵናት፡ ንጀማሪ ሓፊዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻኡ መሪር ምንባሩ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

ካብ ከምዚ ዝበለ ናይ መጀመርያን መሪርን ኵናት ምስ ወጸ፡ ተመርዕዩ ድሒሩ ዝኸተተ ክፍልዝጊ ዓርኩ ካብ ስድራኡን ካብ ራውዳን ዝተማላኣሉ፡ መለሳ ክኾናኦ ዝተመነየን ደብዳቤታት ተቐበለ። እንተዀነ፡ ደብዳበ ራውዳ ከም ናይ ቅድም፡ ሰፋሕን ብፍቕራዊ ኣሳእል ዝወቀበትን ኣይነበረትን። ብኣንጻሩ'ኳ ደኣ፥ ''ብህይወት ወጺኻ'ዶ ትኸውን?'' ዝብል ከቢድ ሻቕሎት ዝሓዘት ነበረት። እቲ ዝሓተላ ሰብኣይ ይመላለስ ከም ዝነበረን ኣቦኣ ትብጻሕካ ምባሉ ከም ዘይተርፎን ምስ ክቱር ሻቕሎታ ጽሒፋትሉ።

ኩነታት ኣፍቃሪቱ መዕለቢ ክረክብ እንተኾይኑ፡ ግድን ብኣካል ከይዱ ክፈትሖ ከም ዘለዎ ምስ ነፍሱ ድሕሪ ምዝታይ ዕረፍቲ ክወሃቦ ሓተተ። እንተተኸሊኡ ባዕላዊ ፍታሕ ክወስድ ከም ዝተደናደነ ድማ ይገልጽ። ሕቶኡ ተሰሚዑ መልሲ ክወሃቦ ምዃኑ ተነጊርዎ እናተጸበየ፡ ጸላኢ እንደገና ኵናት ስለዝጀመረ ግን ኩሉ ነገር መዓልቦ ኣይረኸበን።

ኣብቲ ኵናት ሓፊዝ፡ ዝወድቁ ብጾቱ፡ ብሰንኪ ምረትን ጻዕቂን ኵናት ዘልዕሎም ዝስእኑ ብጾቱ፡ እናረኣየ ዝሓደሮ ስምዒት ብግልጺ የንጸባርቖ። ገጸ-ባህሪ ሓፊዝ ህያው እዩ፥ ምስኡ ክትጓዝ፡ ክትደናገጽ፡ ክትኣምኖ፡ ከተፍቅሮ፡ ክትነብዓሉ. . . ድማ የገድደካ። ኣብቲ ውግእ ካብ ቦጦሎኒኦም ደስበለን መድፍዓጂ ብሬን ጋንታኦም ሓሰንን ተወጊኦም ወደቑ። . . . ጐበዝ ሳዋ ካብ ቅድሚት ናብ ሓሰን ተመሊሱ፡ ንሓሰን ቁሊሕ ኢሉ ከይጠመተ ብሬኑ ወሲዱ፡ ''ነተን ነዋሕቲ ኣእጋሩ ከም ገመል [ንቕድሚት] ወርወረን''።

ነቲ ጌና ኵናትን ባህርያቱን ዘይፈለጠ ሓፊዝ፡ ነፍሲ-ወከፍ ፍጻሜ ተሰንብዶን ተነድሮን እያ። መውጋእቲን መስዋእቲን ብጾቱ ብብዝሒ እናረኣየ ምስ ከደ ከኣ ምስ ነፍሱ ብዙሕ እዩ ዝዛረብ።

''ካብ መንጎ'ቶም ክቐርቦም ዝጸናሕኩ ደቂ ሓይሊና፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ድፍእ ኢላ ክትወድቕ ተዓዘብኩ። ብምህራማ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ተምሳል እንታይነታ ዝነቐለ ልበይ ፈግ በለት። . . . ኣብ ምሉእ መዓልቲ ከም ሽዑ ገይረ ኣይጐየኹን፡ ኣብ ካልኢታት ኣብ ርእሳ ደው ኢለ ጠመትኩዋ። ኣይተጋገኹን! ''ውባ! ውባ!'' ኢለ ደኒነ ብኢደይ ሓዝኩዋ። . . . ኣብ መንጎ ጥፉእን ንቡርን ዘሎ ሃለዋት በጻሕኩ። ከም ቀደመይ ክጐዪ ኣይጀመርኩ፡ ኣብ ዝነበርኩዎ ደው ኣይበልኩ፡ ንቕድመይ ብህድኣት ሰጐምኩ። ኣዒንተይ ከኣ ውዑይ ንብዓት ፈልፈላ።''

ውባ ጓል ኣሃዱኡ እያ። ትርር ዝበለ ርክብ ኣብ ምምስራት እንከለዉን ቅድሚ'ቲ ዝተሰወኣትሉ ውግእ ብሓደ ከዕልሉ ኣምስዮምን ነይሮም። 'ደሓን ሕደር ሓፊዝ' ኢላቶ ምኻዳ ንዘልኣለም ተሰናበትዮ ኢሉዋ ማለት'ዩ ኢሉ ምስ ነፍሱ ይበኣስ። ፍጻሜ ናይቲ ውግእ ከኣ መስርሑ ይቕጽል። ሓደ ካብቲ ቀዘዝ ዘበሎ ፍጻመ ዝረኣየሉ ውግእ ድማ፡ መስዋእቲ ናይቲ ከም ኣርኣያ ዝጠቕሶ መራሕ ጋንታኡ ይጠቅስ፥

''ኣብ ዝወደቖ ባይታ ዓይነይ ሰዲደ ጠመትኩዎ። ግንባሩ ብጥይት ተዃዒቱ፡ ደም ከም ዓይኒ ማይ ክውሕዝ ተራእየኒ። ቀው ኢለን ዝጠመታኦ ኣዒንተይ ሰም ኣይበላን። ንብዓት ግን ኣይሓሰባኦን። ከመይ'ሉ ይህረም እዚ ምኩር ተዋጋኣይ! ኢለ ደኣ'ኳ ዝተገረምኩ መሰልኩ። ኰይንዎ ተሰዊኡ ማለት ድዩ'ኸ ኢለ'ውን ምእማን ሰኣንኩ።''

''ተሰዊኡ!'' በለ ግዚያዊ መራሕ መስርዕና፡ ነታ ምስኡ ወዲቓ ዝነበረት ሬድዮ ርክብ ኣልዒሉ፡ ነታ ብደም ዝጠልቀየት ኣንሶላኡ ፈቲሑ ከደኖ።

''ጐበዝ ሳዋ፡ ብጉዳዮም ኢላ ምስ መጸቶ ምሳና ግዜ ብምውሳዳ ዝተላለናያ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ክረኣዩኒ ጀመሩ፡'' ይብል።

መስዋእቲ ብጾቱ፡ ክቱር ጽልኣት ኣብ ልዕሊ ኵናት ከም ዘሕድር ገይሩዎ እዩ። ውግእ ቁሩብ ህድእ ኣብ ዝብለሉ ድማ ብዝኽሪ ብጾቱ፡ ስድራ-ቤቱ፡ ኣፍቃሪቱ፡ መጻኢ ዕድሉ. . . ናይ ዝሓስብ ሰብ ዛንታ ብምዃኑ ዛንታ ሓፊዝ፡ እቲ ሰብኣዊ ሸነኹ ምስኡ ክትደናገጽ፡ እናሓንሳብ ክትነብዕ ዝድርኽ እዩ። ኣብ ሓደ ውግእ፡ ካብ ዝሞተ ወተሃደር ጸላኢ ዝረኸባ ቴፕን ካሴትን ነይረናኦ። ድሕሪ ዝተኻየደ ካልእ መሪር ውግእ ድማ መለሳ ክኾኖ ሙዚቃ ወሊዑ ክዛነ ወሰነ።

''ብቐደመይ ሙዚቃ ምስማዕ ይፍተወኒ'ዩ'ሞ፡ ከም ሽዓ ገይሩ ግን ጣዕሙ ኣብ መትንታተይ ኣትዩ ኣይፈልጥን። በቲ ሙዚቃ፡ ብኽፉእ ትርኢታትን ክፉእ ድምጽታትን ተበኪሉ ዝቐነየ ኣእምሮይ ተሓጺቡለይ። . . . ።

''መቸም ኵናት መሪር ምዃኑ ብግብሪ ቀንየሉ እየ። ጣዕሚ ሰላም እንተዘስተማቕሮ'ውን ካብ ዕድመይ ሸውዓተ ዓመታት ኣርኪቡለይ ነይሩ'ዩ። . . . ኣብ ወጥሪ ኵናት፡ ሕሉፍ ሰላም ተባሃጊ እዩ። . . . ካብ ሕቕፊ ናይቲ ሕሉፍ ጥዑም ግዜ ውጻእ ስለ ዘይመጸኒ ከኣ ኣብኡ ተሓቢአ ወዓልኩ።

''ድሕሪ ግዜ ግን፡ ነቲ ሙዚቃ ካብ ኣዘናጋዕነቱ ሓሊፈ ብዓይኒ መተኣሳሰሪ ናይቲ ህሉውን ሕሉፍን ግዜ ረኣኹዎ። እቲ ሕሉፍ ግዜ ነቶም ነዚ ሙዚቃ ምሳይ ዝሰምዑ ዝነበሩ ኣዕሩኽ መተዓብይቲ፡ ነቶም መካይድቲ ሞትን ህይወትን ብጾት ጸይሩ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተሳእለ። ሕጂ ገለ ካብቶም ኣዕሩኽ፡ ካብቶም ብጾት፡ ኣብ ሸዊት ዕድመኦም ብዓረር ጸላኢ ተቐዚፎም ምንባሮም ኣስተንተንኩ። እቲ ብሙዚቃ ተባሒቱ ዝወዓለ ኣእምሮይ ድማ ብትዝታኦም ክግባእ ጀመረ። እቲ መሳርሒ ሙዚቃ ከም ቀደሙ ውሁድ ዜማ እናቃልሐ፡ እታ ጥዑም ድማጻ ዝበልኩዋ ሃመልማል ከም ቀደማ እናዘየመት እዝነይ ክነፍጎም ጀመረ። (. . .)

ኣማስያኡ ኣብቲ ሓቀኛ ዓለም ስለዝጠሓለ፡ ፎዅስዎ ከም ዘይወዓለ ኣካላቱ ርዝንዝን ከም ዝበሎ ይገልጽ። ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ ብዛዕባ ስዉኣትን ህሉዋትን፡ ብዛዕባ ኵናትን ሰላምን፡ ብዛዕባ ሞትን ምንባርን፡ ብዛዕባ ክብረትን ሕስረትን ክሓስብ ስለ ዝጀሚረ እዩ። ከም ሰብ፡ ምንባር ምስ ክብረት ክኸውን ከም ዘለዎ'ዩ ዝድግፍ ሓፊዝ። ዕላማ ናይቲ ቀጻሊ ወራራት ዘካይድ ዝነበረ ጸላኢ እንታይ ምንባሩ ድማ ካብ ሰነዳት ዝሞቱ ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ባዕሉ ዘረጋገጾ ሕስረት ምዃኑ ተገንዚቡ እዩ። ስለዚ፥

''እሞ'ኸ ደኣ! ነቲ ምስ ክብረት ከንብረኒ ዝኽእል መገዲ ክኽተሎ'ዶ ቀንየ ወይስ ኣይቀነኹን ንነብሰይ ሓተትኩዋ። ብቐጥታ ነታ ንነፍሰይ ባዕለይ ዝሓተትኩዋ ሕቶ ንኽሓቱኒ ዝተቐረቡ ሓታቶ በዝሑ። እቶም ኣብ ኣኽራን ዝቐበርኩዎም፡ እቶም ኣብ ገማህሎን ሰምበልን ንድሕሪት ገዲፈዮም ዝመጻእኩ፡ እቶም ኣብ ኩርባታት ደምበ ሕምብርቲ ዝቐበርኩዎም ስዉኣት. . . ኣብ ውሽጠይ ብርቱዕ መቓልሕ ዝነበሮ ደሃይ ኣቃልሑ። በዓል ጐበዝ ሳዋ፡ ውባ፡ ሓሰን፡ ኩሎም'ቶም ስዉኣት ኣዒንቶም ኣፍጢጦም ክኸሱኒ ተራእየኒ። . . .''

ዝኽሪ ብጾት ሓያል ምዃኑ፡ ደራሲ ብቓላት ዘይኮነስ ነቶም ዘይትፈልጦም ሰባት ከም መተዓቢትኻ፡ ኣሕዋትካ፡ ብጾትካ፡ ደቂ ኣሃዱኻ. . . ክትቀርጾም ብዘኽእል ጥበብ ኣዘናትዋን ስእላዊ ኣገላልጻን ምቕራቡ ምስቲ ዛንታ ክትጓዓዝን ጠሊቕካ ከተስተማቕሮን የኽእለካ። ጽፈት ቋንቋኡ፡ ግርህናኡ፡ ብጻይነቱ፡ ፈቃር ባህርያቱ፡ ትዕዝብቱ፡... ከይበቐቐ ከዘንትዎ ምኽኣሉ ድማ ነቲ ጌና ጥበብ ኣዘናትዋ ተዋሒድዎ ዘሎ ዛንታ መኸተ ኤርትራውያን ኣንጻር ገዛእቲ ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ዝደፍእ እዩ።

ሓፊዝ፡ ኣብቲ መሬት ውግእን ወረ-ውግእን፡ ውግእ ንግዚኡ ደው ምስ በለ፡ ''ሓደ ኮፍ ንምባሉ ምቹእ እምኒ ረኺበ ኮፍ በልኩ፡'' ምስ በለ፡ እንታይ'ዩ ክብል ኢልካ ተሃንጢኻ ትጽበ። ኣብ ዛንታ ውግእ ኣእትዩካ ጸንሑ፡ ኣብታ ውግእ ደው ትብለላ ህሞት ምስ ዝኽሪን ሓይሊ ትዕዝብቱን ስለዘዛውረካ እቲ ኵናት ብኡ ኣቢሉ ክውዳእ ትምነ። ጽልኣት ኵናት ነቲ ብኣካል ዝልብለብ ሓፊዝ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ኣእምሮኡ ብዙሓት ከም ሓፊዝ - ኣሕዋቱ፡ ኣሓቱ፡ ብጾቱ፡ መተዓብይቱ፡ ደቂ ገዛውቱ፡ ኣቦታቱ፡ ኣደታቱ፡ ኣያታቱ፡ ንባዕሉ - ክስእል ዝኽእል ኤርትራዊ ብሓፈሻ እቲ መንእሰይ ድማ ብፍላይ ዝውክል እዩ።

ሓፊዝ፡ ኣብቲ ዝነበሮ መሬት ውግእ ክልተ ኣዕዋፍ ረኣየ'ሞ፡ ብዛዕባአን ክሓስብ ጀመረ፥ ''ንምንታይ ኣብቲ መሬት ኵናትን መሬት ደርቅን(ናይ ወቕቲ ጕዳይ ምዃኑ'ዩ) ከም ዝነበራ ኣተሓሳሰበኒ። መሬት ርፍድ እንተኢሉ፡ ብምቘት ዝኣክል ኣፈን ከፊተን ክልህልሃ ምዃነን እፈልጥ'የ። ደብዳብ እንተጀሚሩ'ውን ዝገደደ፡ ካብ ገረብ ናብ ገረብ ክብርግጋን፡ ካብኡ ሓሊፈን ብስኩጆታት ክቈራረጻን'ውን ይኽእላ'የን። . . . ከምተን ዑፍ እንተዝኸውን እንታይ ምገበርኩ ከኣ ክረኣየኒ ጀምረ።

''ንሓጺር ግዜ፡ ናብቲ 'ዑፍ እንተዝኸውን ነይረ. . .' ዝበልኩዎ ሕልሚ ጠሓልኩ። ጽምዲ መንገብገበይ ዘርጊሐ ሰማይ-ሰማይ ሰለል እማበልኩ ኣብቲ ዝዓበኹሉ ሰማያት ከረን በጻሕኩ። ንራውዳ ብላዕሊ ኰይነ ተዓዘብኩዋ። ጽብቕቲ ተመሃሪት ንትምህርቲ ክትመላለስ፡ ምስ ሓፊዝ ክትዛወር ርእየያ።

''ኣብቲ ልሙዕ ኣታኽልቲ ጅራ-ፍዮሪ ዓለብኩ። . . . ካብ ጂራ-ፍዮር በሪረ፡ ኣብ ካንሸሎ ገዛና፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ብክንክን እነዕብያ ዝነበረና ተኽሊ ዓለብኩ። ነደይ፡ ነቦይን ንነጃት ሓፍተይን ቀው ኢለ ጠመትኩዎም። . . .

''ሕልሚ ምህላዉ መቸም ጽቡቕ'ዩ። ብኡ ኣይዓገብኩን። ካብኡ ብምንፋር፡ ሰለል እናበልኩ ንከተማ ከረን እናተዓዘብኩ፡ ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ጀራዲን ከረን ዓለብኩ። ነቲ ብቐሊሉ ብኣዕዋፍ ክትኰብ ዝኽእል ፍረታት እናተዀብኩ ከብደይ መላእኩ። ኣብቲ መስኖታት እናዓለብኩ'ውን ብማይ ረወኹን ተሓጸብኩን። ጨራሩ ማይ ክሕጸባ ከለዋ ደስ ይብላኻ'የን። . . . መጀመርታ፡ ኣብ ገምገም ማይ ቅርብ ኢለን ብምዕላብ'የን ከባቢአን ዝከታተላ። ብድሕረኡ፡ ኣካላተን ንቕድሚት ድፍእ ኣቢለን፡ ዳርጋ ብፍርቂ ኣካላተን ኣብቲ ማይ የንገርግራ። ቅንዕ ኢለን እናዘመራ ድማ ነቲ ማይ ብመንገብገበን ጸግጸግ የብላኦ። እንደገና ከባቢአን ካብ ተጻባእቲ እናተኸታተላን እናዘመራን ነቲ መስርሕ ብምድግጋም ይወናጀራ።''
ደራሲ ማሕሙድ ኢብራሂም፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ክኣቱ ዝኽእል ዛንታ እዩ ጽሒፉ። ሓርነት ኤርትራ ምስ ኰነ፡ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ዝበዝሑ ተጋደልቲ፡ ስድራ-ቤት ዝተሰውኡ ብጾቶም ምርኣይ እዩ ነይሩ። እንታይ ኢልካ ከተመኽኒ ትኽእል!? ኣብ ተደጐል እውን ንሓፊዝ ዝገጠሞ ዝዓበየ ብድሆ ንዕረፍቲ ንገዛኡ ክምለስ እንከሎ እዩ። መጀመርያ ሃገራዊ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ንከተማ ከረን ክምለስ እንከሎ ደረቱ ነፊሑ ከም ዘይተመልሰ፣ ሕጂ ግን ከረን መልኣከ ሞት ኮይና ተራእየቶ'ሞ ጸልማት ተጐልቢቡ ክኣቱ እዩ ዝውስን። እቲ ኮፍ ዘይበሃሊ ሓፊዝ፡ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ክውዕል፡ ሰብ ከይርእዮ ክሕባእ ካልእ ኵናት ኰኖ። ንሰይቲ ክፍልዝጊ ዓርኩ ከመይ ኢሉ ክረኣያ!? እንታይ እዩኸ ክብላ! . . .

እዚ መጽሓፍ፡ ጽልኣት ኵናት ዘሕድር፣ ዋጋን መቐረትን ሰላም ድማ ዝገልጽ እዩ። ኣብ ድሮ'ቲ ንጽባሒቱ ክጅመር ምዃኑ ርጉጽ ዝነበረ ውግእ ኰይኑ ሓፊዝ ከምዚ ይብል፣ ''ኵናት፡ ህይወት ሰብ እናወሰደ፡ እናቚሰለ፡ ፍቑራት እናፈላለየ፡ ንክኽሰት ከመይ ኣቢልካ መገዲ ይራሓወሉ!'' ኢለ'ውን ተገረምኩ።... ኣብ ብስክሊተይ ዝነበረ ስእሊ ወተሃደር ጸላኢ ምስ ኣፍቃሪቱ ብምዝካር፡ ''ስለምንታይ እቶም ፍቑራት ይፈላለዩ? ስለምንታይ እቲ ኣፍቃሪ ይቕተል?... ውባ ብዓባያኸ፡ ስለምንታይ?'' መልሲ ዘይብሎም እልቢ ሕቶታት ኣልዒሉ ነፍስኻ ክትሓትት፣ መልሲ ከተናዲ፡ ክትግረም ይድርኸካ።

ኣብ ሓደ ዓወደ-ውግእ፡ ኢዱ ክህብ ናብ በዓል ሓፊዝ ዝጐዪ ዝነበረ ወተሃደር ጸላኢ በዚ መጸት ዘይተባህለት ጥይት ጻሕ ኣበለቶ። ሓፊዝ፡ ምስቲ ወተሃደር ክደናገጽ ከም ዝቐነየን እቲ ተርእዮ እናሻዕ ከም ዝተመላለሶን ይገልጽ'ሞ፡ ''ኣብ ልዕሊ'ቲ ወተሃደር ሓዲሩኒ ዝነበረ ርህራሀ ናብ ጭካነ ክቕየር ግዜ ኣይወሰደን። ድሁል! ከመይ ኣቢሉኸ ቅድሚ ክቐብሮም ዝቐነኹ ብጾተይ ጦብሎቚ ኢሉኒ!'' በልኩ። ኣሻቡ ድማ እቶም ናይ ቦጦሎኒና ስዉኣት በብሓደ ተዘከሩኒ። ብፍላይ ግን ክፍለዝጊ ዓርከይ ካብ ዓይነይ ምእላይ ኣበየ። ክፍለዝጊ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ'ዩ ተሰዊኡ። እተን ብዙሕ ግዜ ካብ ብስክሊቱ እናውጽአ ዝርእየን፡ ዝስዕመንን ንሰባት ዘርእየንን ዝነበረ ኣሳእል ጓሉን መርዓቱን'ውን ማዕረኡ ተራእያኒ። ... ነቲ ናይ ተፈጥሮ ትእዛዝ፡ ማለት ነቲ ኣፍቃሪቱ ገዲፋቶ ዝተመርዓወት ኣነ ገዲፉ፡ ኣፍቃሪቱ ትጽበዮ ንዘላ ክፍለዝጊ ምምራጹ ኸኣ ካብቲ ጋሕማጥ ምሕደራ ደቂ-ሰብ መፍለዪ ስኢነሉ ደንጸወኒ።''

ዛንታ መጽሓፍ ተደጐል፡ ድሕሪ ኵናት ደው ምባሉ ዝቐጸለ ፍቕሪ ምስ ራህዋ፣ ናይ ኣይሰላም-ኣይኵናት ሃዋሁ፣ ከም ሃገራዊ ተቓላሲ ነቲ ዝመጽእ ኩነታት ገሚቱ ተደጕሉ ክጸንሕ ናይ ዝወሰነ ሓፊዝ ዛንታ መሊኣ እያ ጒዕዞኣ ትዛዝም። ዓስቢ ናይቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ድማ ንቕሓቱ ኣበሪኹ፣ ውዲት ጸላእቲ ብንቕሓት ኣለልዪ ናይ ዘድቢ ወይ ዝድጐል መንእሰይ ዛንታ እያ።

ንምድምዳሙ፣ ንዝበለጸን ዝሰፍሐን መረዳእታ መጽሓፍ ተደጐል ምንባብ እዩ። ብኣጠቓላሊ፡ ተደጐል፡ ጽልኣት ኵናት ኣብ ውሽጥኻ እተስርጽ፤ ምስቲ ናብ ምክልኻል ሃገር፡ ዝጥወሩ ስድራን ኣብ ስግኣት ዝነበረ ጕዳይ ኣፍቃሪቱን ገዲፉ፡ ዝኸተተ ሓፊዝ እተኽትተካ ተንካፊት ሰብኣዊት ዛንታ እያ። ዋላ'ቲ ኣሚንካ እትኣትዎ ውግእ ክሳብ ክንደይ ግናይ ምዃኑ ብዘይቀልዓለም ኣብ ተደጐል ተንጸባሪቑ ኣሎ። ትብዓት፡ ብጻይነት፡ ናፍቘት፡ ፈተነ፡ ፍርሒ፡ ጽልኣት፡ ፍቕሪ፡ ንጽህና፡... ኩሉ ዓይነት ባህሪ ኵናትን ድሌት ወዲ-ሰብን ብኣእማንን ስእላዊን ኣዘናትዋ እተዘንቱ ብርቂ ስራሕ። ተደጐል፡ ውዕሎ ኩሉ እትውክል፡ ብኹሉ ክትንበብ ዘለዋ ብልጽቲ ዛንታ ኤርትራዊ ወራሲ!



ብዛዕባ መጽሓፍ ተደጐል ካብ ዝተባህለ. . .


ሳሕቲ ዝቕልቀሉ፣ ንኻልኣይ ቋንቋኦም ዓይነታዊ ኣበርክቶ ዘወፍዩ ደረስቲ ኣለዉ። ፖላንዳዊ ጆሴፍ ኮንራድ ኣብ 20 ዓመቱ ንዝተላለዮ ቋንቋ እንግሊዝ ብስጕምትታት ንቕድሚት ወንጭፍዎ'ዩ። ማሕሙድ ኢብራሂም ድማ፣ ኣብ 15 ዓመቱ ንዝተማህሮ ቋንቋ ትግርኛ፣ በዚ ኣገራሚ ብቕዓት ምጅማሩ ምስ ጆሴፍ ኮንራድ ዘመሳስሎ እዩ። ተወሰኽቲ ዓበይቲ ስራሓት ከኣ ንጽበ ኣሎና።
ኣለምሰገድ ተስፋይ

ተደጐል፡ ሓቅታት ኲናትን ስምዒት ወዲ-ሰብን ብግሉጽነት እትትርኽ፣ ብዋሕዚ ኣዘናትዋ ኰነ ጽባቐ ኣገላልጻን ኣጠቓቕማ ቋንቋን ውህበት ደራሲኣ እተጒልሕ ንእድቲ ስራሕ እያ።
ሰለሙን በርሀ

ብቐሊልን ገላጽን ቋንቋ ዝተኣልመ ዛንታ ኣብ ኣእምሮ ኣንባባይ ስምብራት ይገድፍ፣ 'ተደጐል' ኪንዮ ቓላት ዛንታ እተዘንቱ ስነ-ጽሑፍ።
ምስጉን ዘርኣይ (ወዲ ፈራዳይ)

ተደጐል፡ ነቲ ዛጊት ዘይተጻሕፈ ዛንታ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዋሕዚ ብዘለዎ ስእላዊ ኣቀራርባ እተዘንቱ ተነባቢት መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ተውህቦ ምጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነ፣ ኩሉ`ቲ ኣብ ሓደ ዘይምኩር መንእሰይ ዘሎ ስምዒት ብዘይንሕፈት ተንጸባሪቑ`ሎ። ነቲ ደራሲ ከም ድሕረ-ባይታ ዝተጠቕመሉ ናይ ኵናት ምከና ብቕንዕና፣ በቲ ሰብኣዊ ሸነኹ፣ ከተቕርቦ ምኽኣላ ከኣ ንተደጐል ፍልይቲ ይገብራ።
ኣኸድር ኣሕመዲን