Dejen .

ደጀን


ቅጺ - 5


እቲ ብረዚን መስዋእቲ ዝተጨበጠ ናጽነት ኤርትራ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ ዝመጽአ ኣይነበረን። ሓደ ካብ ቀንድን ፍሉይ መለለዪን ሰውራ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ዝተኸተሎ ኣብ ቍጠባዊ መዳይ ‘ርእሰ-ምርኰሳ’ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ድማ ‘ንጸላኢ ብብረቱ ብጥይቱ’ ዝብል ቅኑዕ ስትራተጂ እዩ። ምምስራትን ምምዕባልን ደጀን ከኣ መርኣያ ናይዚ ስትራተጂ’ዚ እዩ። ህዝባዊ ግንባር፡ ድሑር ልምድታትን መግዛእታዊ ሓድግታትን ምሕዩ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ቍጠባዊ ምዕባለን ሕብረተሰባዊ ለውጥን ንምምጻእ ዝሓንጸጾ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ከተግብር፡ ኣብ ደጀኑ ዝተፈላለየ ክፍልታት ብምቛም ዓበይቲ ዕማማት ኣሰላሲሉ እዩ።

ደጀንእምበኣር፡ ኣብ ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ገድላዊ ህይወት ብሰብኣዊ ዓይኒ ዘንጸባርቑ 35 ዛንታታትን ካርታን ጠርኒፉ ኣሎ። ኣብ መእተዊ፡ ንኣመሰራርታ፡ ዕማማትን ኣቃውማን ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር ዘላሊ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብቶም ዛንታታት ከኣ፡ ግደ ኣብ ዝተፈላለያ ክፍልታት ዝነበሩ ተጋደልትን ተቓላሳይ ህዝብን፡ ንፍቕሪ ሃገሮም፡ መትከሎም፡ ዘይሕለል ተበግሶታቶም፡ ናይ ምሕሳብን ምብልሓትን ብቕዓቶም፡ ሓያል እምነቶም ወዘተ. ዝገልጹ ሓያሎ ዝኽርታት ተዘንትዮም ኣለው። ንደጀን ምስ ቅድመ-ግንባራትን ሱዳንን ንምርኻብ ብኣባላት ህንጻ ዝተኻየደ ጻዕርታት፣ ተበላሓትነት ኣባላት ጋራጅን ኢደ-ስርሓትን፡ መሳርሒታት ኣብ ዘይነበሮ ስንጭሮታት መድሃኒት ንምፍራይ ዝተወስደ ተበግሶ፣ ኣብ ስልታዊ ደጀናት ኰይኖም ህዝባዊ ስልጣናት ንምድልዳልን ካልእ ዕማማት ንምፍጻምን ኣብ ድሕሪ-መስመር-ጸላኢ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳርን ዝተፈላለያ ክፍልታትን ተመኵሮኦምን፣ ድምጺ-ሓፋሽ-ኤርትራ ካብ ጸላኢ ንምኽዋል ዝተሓልፈ መስርሕ፣ ኣጽዋር ንምዕቃብን ዓቕሚ ተዅሲ ህዝባዊ ሰራዊት ንምዕባይን ዝተሓልፈ ቃልሲ፣ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ንምፍጣር ዝተኻየዱ መጽናዕትታትን ሕትመት ኣብ ሜዳን፣ ፍቕርን መርዓን ኣብ ገድሊ፡ ሓፋሽ ውድባት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ወዘተ. ገለ ካብቲ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ተተንኪፉ ዘሎ ተመኵሮታት እዩ። ብድሆ ክልተ ግንባራት፡ ንዘይመውት ተስፋ ኣለዎ፡ ሩባ-ግራሻ ዝወለዶ ፍቕሪ፡ መምህር ኢኻ፡ ዘይተዓደለት ዓይኒ፡ ኣብ ሕቝፎ ህዝቢ፡ ማሕታ ሓሞት ሓርማዝ፡ ስዩም ተገኝ፡ ስዉር ዋርድያ፡ ህይወት ዝኽፈላ ህይወትን ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ ካብ ዘለዋ ገለ ዛንታታት እየን።

Android Book App

Book Review


Leave a comment