Article

ኣሕተምቲ ሕድሪ ብቋንቋ ትግረ ዘሕተሞም መጻሕፍቲ ኣላልዩ

ዝሓለፈ ዓርቢ 29 መስከረም ኣሕተምቲ ሕድሪ ብቋንቋ ትግረ ምስ ዝተሓትሙ መጻሕፍቱ ዘላሊ መደብ ኣካዪዱ። ኣብቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ደረስቲ፡ ተመሃሮ፡ ተርጐምቲን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ምሸት፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ ብቋንቋ ትግረ ዘዳለዎ መበቈላውን ናብ ቋንቋ ትግረ ዘተርጐሞን 17 መጻሕቲ ኣላልዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ብቋንቋ ትግረ ዝተዳለወ ትሽዓተ መጻሕፍቲ ኣብ ቤት ማሕተም ከም ዘለዎ፡ ነቲ ዕዮ ዝከታተል ዘሎ መሓመድስዒድ ዑስማን ገሊጹ። ዝበዝሕ ካብቲ ምስ ህዝቢ ዝተላለየ ስራሓት ኣቐዲሙ ዝተሓትመ ኰይኑ፡ “ሕሳል ዓፍየት” ዝተሰምየት ብዮስፍ እድሪስ አሚር ዝተተርጐመት መጽሓፍ ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተመሪቓ።

ኣሕተምቲ ሕድሪ ኣብ 1995 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ንምዕባለ ቋንቋታት ሃገርና ይሰርሕ። ዛጊት ዳርጋ ብኹለን ቋንቋታት ሃገርና ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ ኣሎ።