Article

ኣሕተምቲ ሕድሪ ክልተ ዕዮታት ሰውራዊት ሳሕል ዳግማይ ኣሕቲሙ

ዓርቢ 13 ጥቕምቲ 2017፡ ኣሕተምቲ ሕድርን ኣብያተ መጽሓፍቲ ኣውገትን፡ “ስነጽሑፍ፡ ኣመዓባብላኡን ተራኡ ኣብ ሰውራን” ከምኡ’ውን “ድራማ” ዘርእስተን ክልተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ዕዮታት ሰውራዊት ሳሕል፡ ኣብ ኣዳራሽ ሆቴል እምባሶይራ ኣመሪቑ። ኣብ’ቲ ዓበይትን መንእሰያት ጸሓፍትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ጸሓፍን ተመራርማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝርከቦም ኣርብዓተ ሰባት፡ ውልቃዊ ተመስጦ፡ ተምኲሮን ገምጋምን ኣብ’ተን መጽሓፍቲ ኣቕሪቦም።
መጀመርታ፡ ተምሳጡ ኣብ መጽሓፍ “ስነጽሑፍ፡ ኣመዓባብላኡ ተራኡ ኣብ ሰውራ” ዘካፈለ መንእሰይ ኣማናቱላህ ዓብዱራሕማን እዩ። መንእሰይ ኣማናቱላህ ኣብ መግለጺኡ፣ በ’ተሓሳስባ ማሕበራዊ ኩነታት ተጸልዮም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ንሓቀኛ ናይ ህይወት ጸገማትን ንደቂ ሰባት ህይወቶም ኣብ ምምራሕ ዘጋጥምዎም ብድሆታትን ዘንጸባርቑ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ተመሳሳሊ ናብራ ዝነብሩ፡ ተመሳሳሊ ሽግራት ዘለዎም ሰባት፡ ሽግራቶም ካብ ሓቀኛ ኲነታት ከይተኣልዩ፡ ፍታሕ ክረኽብሉ ዝጽዕሩሉ መንገዲ ዘትሕዙን ንመዝመዝቲ፡ መታለልትን ብረሃጽ ሰብ ክነብሩ ዝጽዕሩ ዓመጽቲ፡ ዘቃልዑ ጽሑፋት ከምዝኾኑ እቲ ካብ’ዚኣ መጽሕፍ ዝረኸቦ ዝዓበየ ትምህርቲ ምዃኑ ገሊጹ።
“ኣብ ውሽጢ ኩሉ ናይ ዓለም ሕብረተሰብ፡ ሰውራ ዘየድልዮ ግዜያት ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን” ክብል ዝገለጸ መንእሰይ ኣማናቱላህ፡ ከም’ቲ ኣብ ሜዳ ወለዶ ጸሓፍቲ ኣብ ምፍራይ ብተግባር ዝተራእየ፡ ሕጂ’ውን ንህልው ኲነታትና ብውድዓዊ መንገዲ ፍታሕ ዘናድይ ስነ-ጽሑፍን፡ ንቅድሚት ክደፍኡ ዝኽእሉ ጽሓፍቲ ፈርዮም ክርኢ ሃረርታ ከምዘለዎን፡ እዛ መጽሓፍ ክብሪ ተዋሂብዋ፡ ብግቡእ ተነቢባን ክትዕ ተኻይዱላን ንህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ተማሓይሻ ክትቀርብ ተላብዩ።
ቀጺሉ፡ ገምጋሙ ምስ ውልቃዊ ትዕዝብትታቱ ኣብ መጽሓፍ “ድራማ” ዘቕረበ ኣቶ ሳምኤል መንግስትኣብ እዩ። ኣቶ ሳምኤል መንግስትኣብ ኣብ መግለጺኡ ኣብ’ዛ ንእሽቶ ‘ትመስል ግን ኣገዳሲት መጽሓፍ ተኻቲቶም ዘለው ሓሳባት፡ ንጀማርቲ ዓየይቲ ጽቡቕ መበገስን መሕሰቢ ነጥብታትን ቀልጢፎም ናብ ጽቡቕ ደረጃ ዘሳግሩ ኣርእስታት ተላዒሎም ከምዘለውን እዛ መጽሓፍ ንስነጥበበኛታት ኣብ ክንዲ ብሃውሪ፡ ገለ ኣፍልጦ ሒዞም ክጽሕፉ ከም’ትሕግዝ ኣብነታት እንዳሰነየ ኣረዲኡ።
ኣቶ ሳምኤል መንግስትኣብ ብተወሳኺ፡ ጽልዋ እዛ መጽሓፍ ካብ ሜዳ ሓሊፉ ነቶም ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ጀመርቲ ስነጥበባውያን እውን ከምዘርከበን ክሳብ ሕጂ’ውን እቕጽል ከምዘሎን ድሕሪ ምግላጽ፡ “ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ናይ’ዛ መጽሓፍ ኣብ ናጽነት ምስ ፈለጥኩ፡ ክውንና ብሂገ ክረኽባ ግን ኣይከኣልኩን፥ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግን ረኺበያ። ኣዝየ ተሓጒሰ! ናተይ ኮይና በቲ ዝመልኮ ቋንቋ መወከሲ ኮይናትኒ፥ እንኮ መጽሓፍ ረኺበ ኢለ ዓቂበያ። ካብ’ዛ መጽሓፍ ዝረኸብኩዎ ጽባቐ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ክሃስስ ኣይክኣለን” ክብል ተምሳጡ ገሊጹ።
ስነጥበበኛ ኣንገሶም ኢሳቕ ብወገኑ ምስ ውልቃዊ ተመኲርኡ ኣብ ሰነ-ጽሑፍ ብምዝማድ፡ መጽሓፍ “ሰነ-ጽሑፍ ኣመዓባበልኡን ተራኡ ኣብ ሰውራ” ዝፈጠረትሉ ንቕሓትን ድርኺትን ኣካፊሉ። ኣብ’ቲ ኣዛናዪን መሃርን ዝነበረ መግሊጺኡ፡ ነዛ ጽሕፍቲ ኣብ 1984 ምስ ብጹቱ ተኣኪቡ ነፍስ-ወከፍ ሕጥበ ጽሑፍ ድሕሪ ንባብ መግለጺ እንዳተገብረላ ከምዝተመሃራ ኣዘንትዩ። ኣቶ ኣንገሶም ኢሳቕ ብተወሳኺ “እዛ መጽሓፍ፡ ብዘይ ወጥሪ ፈተና ማትሪክ ናብ ስነጽሑፍ ዘሰጋገረትኒ መጽሓፍ እያ። ስለዚ፡ ሽዑ ኣንቢበያ ጥራሕ ዘይኮንኩ፡ ናይ ብሓቂ ሸምዲደያ’የ” ብምባል፡ ኣገዳስነትን ጽልዋን እዛ መጽሓፍ ኣብ ናይ ስነ-ጽሑፍ ተመኲርኡ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ ካብቶም ኣዳለውቲ ናይ’ዘን መጽሓፍቲ ዝኾነ ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብ ተበግሶ፡ መስርሕ ምድላውን ጽልዋን ናይ’ዘን መጽሓፍቲ ዝነበረ ተመኲሮ ኣካፊሉ። ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ መግለጺኡ፡ እዘን ጽሑፋት ኣብ መጀመርታ 1980’ታት ብክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ፡ ጨንፈር ባህሊ ተሓቲመን ከምዝተዘርግሓን፡ ምሕታም ናይ’ዘን ጽሑፋት ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ መንጐ ተጋደልቲ ዝነበረ ሕጽረት መወከሲ ንምቅላልን ኣፍልጦኦም ኣብ ስነ-ጽሑፍ ንምዕባይን ተባሂሉ ከምዝተበገሰን፡ ድሕሪ ስትራተጂካዊ ምዝላቕ፡ ህዝባዊ ግንባር ቀዋሚ ድፋዕ ኣብ ሳሕል ሃኒጹ፡ በብመድረኹ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ትምህርትን ባህላዊ ንጥፈታት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ድማ ዝያዳ ከምዝተወዓውዐ ኣብሪሁ። ቀጺሉ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ስነ ጽሑፍ ይኹን ባህሊ ከም ሓያል መሳርሒ ሓሳባት ናይ’ቲ ውዱብ ስለ እተደልየ፡ “ስነ ጽሑፍ ኣመዓባብልኡን ተራኡ ኣብ ሰውራ”ን “ድራማ”ን ዝብላ ክልሰ ሓሳብ ዝሓዘላ መምርሒ ጽሑፋት ከምዝተዘርግሓን ምስ ግዜ ድማ እቲ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ተንጸባሪቑ ክቕርብ ብዝብል ዕላማ፡ ንኣብነት ዝኾና ሓጸርቲ ዛንታታት ተተርጒመን ከምዝ ቐረባን፡ ንስርሐን ዘጒለሐ ምውቕ ስምዒትን ጽልዋን ከምዘሕደራ ገሊጹ።
“ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ምሕታመን ክልተ ስምዒት ኣሎኒ” ዝበለ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ በቲ ሓደ፣ ናይ’ቲ ጊዜ ዘዐወተ ቋንቋን ኣረዳድኣን ስለ ዝኾነ፡ ስነ ጽሑፍ ዝርግሕ ዝበለ፡ ናጽነት ዘለዎ፡ ሰፊሕ ባይታ ናይ ምውስዋስ ዘለዎ ኢለ አየ ዝኣምን።. . . በቲ ካልእ ወገን፡ ክሳብ ሕጂ እዘን ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ዝተጻሕፋ መጽሓፍቲ ከም መወከሲ ኮይነን ከገልግላ የተሓሳስበኒ። . . . ስለዚ፡ መንእሰያት ብፍላይ እዞም ኣብ ስነጥበብ እትነጥፉ፡ ነዚአን ኣንቢብኩም፡ ፈናጢሕኩም፡ ብዓይኒ ነቐፌታ ርኢኹም፡ ካልእ ምስ’ዚ ጊዜ ዝኸይድ ዝማዕበለ ጽሑፋት ከተምጽኡ’ዩ ትጽቢተይ” ክብል ተላብዩ።
ኣሕተምቲ ሕድሪ ነዘን መጻሕፍቲ ዳግማይ ከሕትመን እንከሎ፡ ከም ናይ ክትዕን ትምህርትን ጽሑፋት፡ ኣብ ዳግማይ ትንሳኤ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ሓድሽን ኣድማዕን ናይ ምርምርን ነቐፌታን ተራ ንኽጻውታ ብምሕላን እዩ።