New Events(ኣሕተምቲ ሕድሪ)

ክልተ ናይ ኣካዳሚ ጆርናላት ተመሪቐን

ክልተ ናይ ኣካዳሚ ጆርናላት ተመሪቐን

2017-11-03

ኣሕተምቲ ሕድሪ ምስ ሃገራዊ ኮምሽን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኣብያተ መጻሕፍቲ ኣውገትን ብምትሕብባር “ጆርናል መጽናዕቲታት ኤርትራ” ከምኡ’ውን “ጆርናል ስነ-ፍልጠትን ምህንድስናን ኤርትራ” (Journal of Eritrean Studies and Eritrean Journal of Science and Engineering) ብዕለት 03/11/2017 ኣብ ኣዳራሽ እምባሶይራ ኣመሪቑ። ኣብቲ መንእሰያት፡ ተመሃሮ፡ ጸሓፍቲ፡ ፕሮፌሰራት፡ ኣባላት ኮምሽን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ መምሃራን ኮለጃትን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝመጹ ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተሳተፍዎ ኣጋጣሚ፡ ብኣካየድቲ ናይ’ተን ጆርናላት፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ኣካዳምያዊ ጆርናላት፡ ድሕረ-ባይታ ናይ ክልቲአን ጆርናላት፡ ትሕዝቶን ናይ መጻኢ መደባትን መግለጺ ተዋሂቡ። Read More...

ኣሕተምቲ ሕድሪ ክልተ ዕዮታት ሰውራዊት ሳሕል ዳግማይ ኣሕቲሙ

ኣሕተምቲ ሕድሪ ክልተ ዕዮታት ሰውራዊት ሳሕል ዳግማይ ኣሕቲሙ

2017-10-13

ዓርቢ 13 ጥቕምቲ 2017፡ ኣሕተምቲ ሕድርን ኣብያተ መጽሓፍቲ ኣውገትን፡ “ስነጽሑፍ፡ ኣመዓባብላኡን ተራኡ ኣብ ሰውራን” ከምኡ’ውን “ድራማ” ዘርእስተን ክልተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ዕዮታት ሰውራዊት ሳሕል፡ ኣብ ኣዳራሽ ሆቴል እምባሶይራ ኣመሪቑ። ኣብ’ቲ ዓበይትን መንእሰያት ጸሓፍትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ጸሓፍን ተመራርማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝርከቦም ኣርብዓተ ሰባት፡ ውልቃዊ ተመስጦ፡ ተምኲሮን ገምጋምን ኣብ’ተን መጽሓፍቲ ኣቕሪቦም። Read More...

ኣሕተምቲ ሕድሪ ክልት መጻሕፍቲ ከመርቕ እዩ

ኣሕተምቲ ሕድሪ ክልት መጻሕፍቲ ከመርቕ እዩ

2017-10-13

ኣሕተምቲ ሕድሪ ጽባሕ ዓርቢ 13 ጥቅምቲ 2017 ክልተ መጻሕፍቲ ከመርቕ እዩ። እዘን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝፈረያን ሓያሎ ተጋደልቲ ደረስቲ ዝጸለዋን ዘፍረያን መጻሕፍቲ እዚኣተን፡ ኣካል ናይቲ ብቕጺታት ዝሕተም ዘሎ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ ዕዮታት ሰውራዊት ሳሕል እየን። Read More...

ኣሕተምቲ ሕድሪ ብቋንቋ ትግረ ዘሕተሞም መጻሕፍቲ ኣላልዩ

ኣሕተምቲ ሕድሪ ብቋንቋ ትግረ ዘሕተሞም መጻሕፍቲ ኣላልዩ

2017-09-29

ዝሓለፈ ዓርቢ 29 መስከረም ኣሕተምቲ ሕድሪ ብቋንቋ ትግረ ምስ ዝተሓትሙ መጻሕፍቱ ዘላሊ መደብ ኣካዪዱ። ኣብቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ደረስቲ፡ ተመሃሮ፡ ተርጐምቲን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ምሸት፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ ብቋንቋ ትግረ ዘዳለዎ መበቈላውን ናብ ቋንቋ ትግረ ዘተርጐሞን 17 መጻሕቲ ኣላልዩ። Read More...