ተኸታታሊ መጻሕፍቲ “ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ” ናብ ቋንቋታት ትግረን ዓረብኛን(ኣሕተምቲ ሕድሪ)

ልዋም ዘርኣብሩኽ | ዮሴፍ ኣስመላሽ

ኣሕተምቲ ሕድሪ ካብ 2013 ጀሚሩ ዘሕትሞ ዘሎ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ “ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ” ናብ ቋንቋታት ትግረን ዓረብኛን ይትርጒሞ ኣሎ። ንሎሚ ንምውህሃድን መስርሕ ምትርጓምን ናይቲ መጻሕፍቲ ኣመልኪትና፡ ኣብ ምትርጓም ናብ ቋንቋ ትግረ ምስ ዝነጥፍን ነቲ ዕማም ዝከታተልን መሓመድስዒድ ዑስማን ዘካየድናዮ ቃለ-መጠይቕ ነቕርብ።

መስርሕ ምትርጓም መጻሕፍቲ ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ ናብ ቋንቋ ትግረ ብኸመይ ጀሚሩ? ኣበየናይ ደረጃኸ በጺሑ ኣሎ?

ብሓፈሻኡ፡ መስርሕ ምትርጓም መጻሕፍቲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ናብ ቋንቋ ትግረ ብናይ ተመኲሮ ገድሊ ኣይኰነን ጀሚሩ። ብሓፈሻ ኣሕተምቲ ሕድሪ ኣገዳስነት ምትርጓም መጻሕፍቲ ናብ ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ ተረዲኡ ካብ ነዊሕ እዋን ክሰርሓሉ ዝጸንሐ እዩ።
መጀመርታ ሓሳብ ምስናድ ውልቀ-ዝኽሪ ተመኲሮ ገድሊ ምስ መጸ፡ እታ ቐዳመይቲ ዝተሓትመት መጽሓፍ “ሓመድ ድበ ናደው” እያ። ንሳ ብቐጥታ ተተርጕማ ምስ ተወደአት፡ ብድሕሪኣ ዝሰዓበት ንምድምሳስ ውቓው እዝ እትገልጽ ኣብ መበል 30 ዓመቱ ዝተዳለወት “መቐይሮ” እያ። ብድሕሪኡ ኸኣ “ፈንቅል” ስዒባ ብተኸታታሊ ምስ ተሓትማ ናብ ቋንቋ ትግረ ተተርጕመን። ኣብ 2016 ዝተሓትማ ሰለስተ መጽሓፍቲ - “መፈጸምታ” ብዛዕባ ዛዛሚ ሓርነታዊ ኵናት፣ “ደጀን” ንጥፈታት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ደጀን እተዘንቱ ከምኡ’ውን “ገድሊ ደቀንስትዮ” ዘጠቓልላ ሽዱሽተ ቅጺታት ናብ ቋንቋ ትግረ ተተርጕመን ኣለዋ።
ካብዘን ዝተተርጐማ መጻሕፍቲ ተሓቲማ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ በጺሓ ዘላ ግን “ዝኽሪታት ሓመድ ድበ ናደው” እያ። “መቐይሮ”ን “ፈንቅል”ን ኣብ ማሕተም ኣለዋ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ክውድኣ ንጽበየን ኣለና። “መፈጸምታ” ኣብ ለይኣውት ኣላ፡ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ተወዲኣ ንማሕተም ክትለኣኽ እያ። “ደጀን”ን “ገድሊ ደቀንስትዮ”ን ከኣ ኣብ ምጽፋፍ ይርከባ።
ካብዘን መጻሕፍቲ ተመኲሮ ገድሊ ዘይተተርጐማ ዘለዋ እዘን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ድሕሪ ሚያዝያ 2017፡ ዝተዘርግሓ “ናቕፋ” ብምኽንያት ዝኽሪ 40 ዓመት ምሕራር ናቕፋ ዝተዳለወት፡ ከምኡ’ውን “ግፍዒ” እትብል ንግፍዒታት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጻ እየን። “ግፍዒ” ቀዳምነት ሂብና ንትርጒማ ኣለና።

ኣገዳሰነት ናይዚ ዕዮ እንታይ እዩ? ንኣንበብቲን ነቲ ቋንቋን?

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኩሉ ህዝቢ ክበጽሕን ናብ መጻኢ ወለዶ ክሰጋገርን ይሕግዝ። ታሪኽ ከም ቅርሲ ክዕቀብ ኣለዎ፣ ቀንዲ ድማ ንመንእሰይ በቲ ቋንቋኡ ክጽሓፈሉ ከሎ መንነቱ፡ ባህሉ፡ ታሪኹ ክፈልጥን ክዕቅብን ይሕግዞ። ብዓቢኡ፡ ንትሕዝቶ ናይቲ ዛንታታት ብዕምቆት ክርድኦ የኽእሎ። ንተመሃሮ ድማ ናብ ናይ ምርምርን መጽናዕትን መድረኽ ክመርሖም ይኽእል።

ኣብ መስርሕ ምትርጓም ዘጋጥሙኹም ብድሆታት ኣለዉዶ?

ቋንቋ ትግረ ሕጂ እዩ ዝምዕብል ዘሎ። ፍሉጥ መምርሒ (መወከሲ ምዕሩይ ቋንቋ) ስለ ዘይብሉ ኣብ ሰዋስው ጸገማት ይርአ’ዩ። ብሃገር ደረጃ እዚ’ዩ ምዕሩይ ዝበሃል ናይ ጽሑፍ ቋንቋ ብዘይምህላዉ ዝርአ ጸገም ኣሎ። ተርጐምቲ በብፍልጠቶም እዮም ዝትርጒሙ። ናይ ኩላቶም ኣብ ሓደ ምስ ኣቕረብካዮ እቲ ጸገምን እቲ ፍልልይን ይረኣየካ። ካልኣይ፡ ሕጽረት ግዜ ዝፈጥሮ ጸገማት ኣሎ። ድሮ ሽዱሽተ ቅጺታት ተተርጒመን ኣለዋ። ተርጐምቲ ከም ኣብ ትርፊ ግዜኦም ዝሰርሑ መጠን፡ ምስ ካልእ ምዱብ ስርሖም ናይ ግዜ ምሽማው የጋጥሞም እዩ። ሳልሳይ፡ ብዛዕባ ጥበብ ምትርጓም ዘሎ መረዳእታ ዝፈጥሮ ድሩትነት’ውን ኣሎ። መብዛሕቲኡ ስራሕ ተርጐምቲ ብናታቶም ውልቃዊ ጻዕሪ’ዮም ዘካይዱዎ። ስለዚ፡ ቅሩብ ነቲ ጥበብ ምትርጓም ምምላኽ የድሊ እዩ።

መልሰ-ግብሪ ኣንበብቲ ኣብዞም ዛንታታት ከመይ ይመስል?

ክሳብ ሕጂ ዝመጸና የለን። “ሓመድ ድበ ናደው” ኣብዚ ቀረባ እዋን ስለ ዝተሓትመት ክትዛረበሉ እትኽእል መልሰ-ግብሪ ኣንበብቲ የለን። ጌና ብሕጂ እንጽበዮ እዩ።

ተርጐምቲ መን’ዮም? ብኸመይ ይምረጹ? ልክዕነት ትርጒም ንምሕላውከ እንታይ ኣገባብ ትጥቀሙ?

ቅድሚ ሕጂ ተርጐምቲ ብመንገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ብተናጸል እዮም ዝምረጹ ነይሮም። ካብ “መፈጸምታ” ንደሓር ግን ሓንቲ ጉጅለ ቆይማ። ኣነ ከም ጠርናፊኦም ኰይነ፡ ቅድሚ ሕጂ ተመኲሮ ዝነበሮም፡ ኣብ ኣሕተምቲ ሕድሪ ተመሳሰሊ ስርሓት ክሰርሑ ዝጸንሑ ሽዱሽተ ሰባት ንኸውን ተጠርኒፍና ኣብዚ ስራሕ ኣሎና። ንተመኲሮኦም ብዝምልከት ገሊኦም ኣብ ክፍሊ ካርክለም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝትርጉሙ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝትርጉሙ እዮም። ንሳቶም፤ መሓመድስዒድ ሓምድ ካብ ክፍሊ ካርክለም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኰይኑ ቅድሚ ሕጂ ሓላፊ ኣሃዱ ናይ ካርክለም ዝነበረ፣ መሓመድ እድሪስ መሓመድ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ “ኤርትርያ ሐዳስ”፣ ካልሹም መሓመድ ኤዲተር ጋዜጣ ኤርትርያ ሐዳስ፣ ዓሻ ዑስማን ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተርጓሚት ዜና ቋንቋ ትግረ፣ ኣድም ኣቡ ሓሪሽ ኣብ ጋዜጣ ኤርትርያ ሐዳስ ኣዳላዊ ዓንቀጽ፣ ዛህራ ኣብ ፕሩፍሪድን ትተሓጋገዘና ኰይና ብውልቃ ኣብ ምርጓም ክትነጥፍ ዝጸንሐት ኢና።

ኣብ መንጐኹም ንጥፈታት ትርጒም ከመይ ትሕዙዎ? እንታይ ሜላ ትጥቀሙ?

ንሓንቲ መጽሓፍ ኣብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መቓቒልና ተርጐምቲ በብወገኖም ተርጒሞም የምጽኡዎ። ቅድሚ ምትርጓምና ገለ መምርሒ ኣውጺእና ኣብ ፊደል፡ ኣጠቃቕማ ሰዋስው ቋንቋ ትግረ፡ ወዘተ. ዝምልከት ሓፈሻዊ መምርሒ ንህብ። ደሓር ተተርጒማ ምስ ተወደአት ሓደ ሰብ የርትዓ። ሓደ ደረጃ ንኽንሕዝ መብዛሕትኡ መሓመድስዒድ ሓምድ ናይ ካሪክለም እዩ ዝገብሮ። ኣድም ኣቡ ሓሪሽ’ውን ኣብ ዜናን ካሪክለምን ስለ ዘሎ ተመሳሳሊ ስራሕ ይዓምም እዩ።

ኣብ መወዳእታ ትብሎ እንተሎ?

እቲ ተበግሶ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ። ብዝለዓለ ኣወዳድባ ክቕጽልን ናብ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ክትርጐም ድማ ኣለዎ። ነዚ ዝሕግዝ ናይ ምትርጓም ዕዮ ዝከታተል ትካል ክቐውምን ምትርጓም ከም ሓደ ኣገዳሲ ዓውዲ መጠን ስሩዕ ኣስተምህሮ ክግበረሉን እምነ።
የቐንይልና!