Interview

ቃለ-መጠይቕ ምስ ማሕሙድ ኢብራሂም ደራሲ መጽሓፍ ተደጐል

ልዋም ዘርኣብሩኽ



ቃለ-መጠይቕ ምስ ማሕሙድ ኢብራሂም ደራሲ መጽሓፍ ተደጐል

ማሕሙድ ኢብራሂም ደራሲ ናይታ ኣብ 2014 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተሓትመት፡ ነቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ወራር ወያነ ማእከል ገይራ፡ ዛንታ ሓደ ኤርትራዊ ወራሲ/ዋርሳይ እትገልጽ መጽሓፍ እያ። ብዛዕባ እዛ መጽሓፍን ሓፈሻዊ ተመኲሮ ደራሲን ንምድህሳስ፡ ምስ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝኾነ ማሕሙድ ኢብራሂም ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ይስዕብ፤

ቋንቋ ትግርኛ ወዲ 15 ዓመት ከለኻ ኢኻ ተማሂርካዮ፣ ብኸመይ ኢኻ ምስቲ ቋንቋ ተላሊኻ?

ቋንቋ ትግርኛ ካልኣይ ቋንቋይ እዩ። ኣብ ሜዳ ጽቡቕ ገይረ እየ ተማሂረዮ። ብድሕሪኡ ንብዙሕ ዓመታት ምሂረሉ። ቅሩብ ኣብቲ ላህጃ ከጸርዮ ዘይከኣልኩ እምበር ካልኣይ ቋንቋይ ከም ምዃኑ ብዙሕ ኣይጽግመንን’ዩ።

ድሕረ ባይታኻ፡ ማለት ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ተመኲሮኻ እንታይ ይመስል?

ኣብ 1997 ዘዳለኹዎም ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ጽሑፋት ነይሮምኒ። መጽሓፍ ክርኢ ከለኹ ኸኣ እግረም፣ ኣብ ገለ እዋን ደብዳቤ ክጽሕፍ’ውን እሽገር ነይረ’የ። እዞም ደረስቲ፡ ከመይ ገይሮም’ዮም ኣብ ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ መጽሓፍ ዝተጠምረ ሓሳባት ከፈልፍሉ ዝኸኣሉ ኢለ እግረም ነይረ። በዚ ምኽንያት እየ ድማ ፒሮን ወረቐትን ኣልዒለ ክጽሕፍ ዝጀመርኩ። ምንባብ መጻሕፍቲ ድሕሪ ናጽነት እየ ጀሚረዮ። ቅድሚኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ክፍለ-ሰራዊት 85 ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ተማሂረ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሰራዊት ምስ ተመደብኩ ኸኣ ሓምሻይ ክፍሊ ክምህር ተመዲበ። ብኡኡ መንጽር ድማ ከንብብን ክጽሕፍን ጀሚረ። ሽዑ፡ ዝዀነ ዓይነት መጽሓፍ እየ ዘንብብ ነይረ፣ ናይ ምምራጽ ዓቕሚ ኣይነበረንን። ሕጂ እየ ክመርጽ ጀሚረ። ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት፡ ቀንዲ ጦብላሕታ ዝፈጠራለይ መጸሕፍቲ፡ ‘ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት’ እያ።

ናይ ምጽሓፍ ተውህቦ ከም ዘለካ መዓስ/ብኸመይ ፈሊጥካ?

መጀመርታ ክጽሕፍ ከለኹ ተውህቦ ኣለኒ ኢለ ኣይኰንኩን ጀሚረዮ። ክሳብ ክንደይ ገጻት ክበጽሕ ይኽእል ኢለ እየ ጀሚረ። ቀስ ብቐስ ከኣ ዳርጋ ጥራዝ ምሉእ ክጽሕፍ ጀሚረ፡፡ ካብኡ ንደሓር ምጽሓፍ ክምስጠኒ ጀሚሩ። ደራሲ ናይ ምዃን ባህጊ ኣይነበረንን፣ ናይ ምጽሓፍ ባህጊ’ውን ኣይነበረንን። ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ መጽሓፍ ክጽሕፍ ይኽእል ካብ ምባል እየ ክጽሕፍ ፈቲነ። ብድሕሪኡ ናይ ምጽሓፍ ባህገይ ተኸፊቱ ክብል እኽእል።

ሓደ እዋን፡ ኣብ ወድድር ሓጺር ዛንታ ፈስቲቫል ኤርትራ ክዕወት እየ ኢልካ ነይርካ። እቲ ኲነታት ከመይ ረኺብካዮ?

እታ ጽሕፍተይ ሳልሰይቲ እያ ወጺኣ፡፡ ኣብ ሓሳበይ ዝነበረ ግን ቀዳማይ ክወጽእ እዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝዀነ ነገር ከም ዘይጽግመኒ እየ ዝሓስብ ነይረ፡፡ መምህር ስለ ዝነበርኩ ኣሃዱና’ውን ልክዕ ከም ናተይ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩዎም። ድሒሩ ግን ኩሉ ጉድለታትካ ምስ ተሓበረካ እዩ ዝርድኣካ። ካብ 128 ሰባት እየ ሳልሳይ ወጺአ። ሳልሳይ ምውጽአይ’ውን ሕማቕ ኣይነበረን - ምስቲ መጀመርታይ ምንባሩ። ስለዚስ ኣይንዓቕኩዋን፡ ነታ ሳልሳይ ደረጃ።

ኣብ ሰራዊት ከለኻ ኢኻ ትጽሕፍ ነይርካ፥ ምስቲ ኣብ ግዜ ወራራት ዝነበረ ኩነታትን ምንቅስቓስን ኣበይ ትስንዶ ነይርካ?

ኣብ 1997 ኣብ ቃሮራ ኣብ ሰራዊት ከለኹ እየ ን’ተደጐል’ ጀሚረያ። ጽሑፋተይ ኣብ ግዜ ወራራት ናብ ገዛይ እየ ዝሰዶም ነይረ። ኲነታት ኣብ ተዛምዲ ሰላም እንተ ዀይኑ ድማ ስደዱለይ እብል። መኻልፍ ኣይስኣንን እዩ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ታዓሊም፡ ጒዕዞ… እንተሎ ይቋረጽ። ኣብ ዘዕረፍኩሉ ግዜ ኸኣ እጅምሮ። ከምዚ እናበልኩ እየ ተደጐልን ካልኦት ጽሑፋትን ጽሒፈ።

መበገሲ ሓሳብ ተደጐል እንታይ’ዩ? መዓስን ብኸመይን ጀሚርካያ?

ነሓሰ 2001፡ ኣብ ፋንኮ እየ ነይረ። ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ እከታተል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ብዛዕባ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝነበረ ሽልማት ዝምልከት፡ ምስ ስነ-ጥበበኛታት ብዙሕ ዛዕባታት ይልዓል ነይሩ። ዝዝክሮ ሓደ ካብቶም ስነ-ጥበበኛታት፡ ቢንያም ዮሴፍ፡ ካብቲ ዝበሎ ዝመስጥትኒ ቃል ነይራ፥ “ሓጸርቲ ጽሑፋት፡ ብኢድ ተጻሒፉ ዝመጸና’ውን ክወዳደር ይኽእል እዩ፣ ብቕዓት እንተ’ለዎ’ውን ራይሞክ ዘይሽለመሉ ምኽንያት የለን፡” እትብል እያ ነይራ። ኣነ ኸኣ ዘይፍትን ኢለ ጀሚረ። ሓጻር ዛንታ ኢለ እየ ጀሚረያ ንተደጐል፡፡ ሽዑ ከም ሓንቲ ውድእቲ ዓባይ መጽሓፍ ሓሲበያ ኣይፈልጥን። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝዀነ ኣምር ስነ-ጽሑፍ ስለ ዘይነበርኒ ክጽሕፋ ከለኹ ክልተ ወራራት ኣብ ሓንቲ ሓጻር ዛንታ እየ ክጥርንፎ መዲበ። እታ መጽሓፍ እናመሰጠትኒ ምስ ከደት እናኣስፋሕኩዋ ምስ ከድኩ ንሓጻር ዛንታ ክትከውን ከም ዘይትኽእል ተረዲአ።

ዛንታ ተደጐል ህያው ፍጻመ ድዩ? ወይስ ልቢ-ወለዳዊ?

ቀንዲ ገጸ ባህሪ ናይታ መጽሓፍ ሓፊዝ እዩ። ዝበዝሐ ሰብ ከም ቀንዲ ገጸ ባህሪ ንሓዉ፡ ንዓርኩ ወይ ቤተ-ሰቡ እዩ ዝመርጽ። ኣነ’ውን ስውእ ሓዉ ኣለኒ፣ ኣዕሩኽ ኣለዉኒ። ሓፊዝ ግን ሓወይ ኣይኰነ፡ ዓርከይ’ውን ኣይኰነ፣ ፈጠራዊ ስም እዩ። ብስም ሓወይ ኣሕመድ ሓሲበ፣ ብስም ዓርከይ ክፍልዝጊ’ውን ሓሲበ፣ ደሓር ግን ከምዚ ንዓይ ንበይነይ ወይ ንስድራይ ጥራይ ትውክል ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ብኡኡ ምኽንያት ከኣ ልቢ-ወለዳዊ ስም ኣትሒዘዮም። እቶም ገጸ-ባህርያት ግን በዓል ደስበለ፡ ክፍልዝጊ፡ ሮብለ፡ . . . ስውኣት እዮም፣ ልቢ-ወለዳዊ ኣስማት ጥራይ እየ ሂበዮም። ስውኣት ከለው ከም ህሉዋት ገይረ ዘቕረብኩዎም’ውን ኣለው። ዝበዝሑ ገጸ-ባህርያት ንዝኽሪ ኢለ ዘእተኹዎም ስውኣት እዮም። ብምሉኡ እቲ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻሜታት፡ እቶም ውግኣት፡ እቲ ኵናት፡ እቲ ጒዕዞ፡ . . . ብምሉኡ ሓቂ እዩ። እቲ ገጸ-ባህርያት ጥራይ እዩ ልቢ-ወለዳዊ መልክዕ ሒዙ።

ስለምንታይ ተደጐል?

ክጅመራ ከለኹ ‘ተደጐል’ ዝብል ስም ኣብ ሓንጎለይ ኣይነበረን፣ ኩሉ ምስ ተወደአ እየ ተደጐል ሰምየያ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኲናት ኣሎ ኢና ንብል ነይርና፣ ኲናት የለን ኢሉና ሕጂ እቲ መድረኽ። ኲናት እንተ ዘይሃልዩ ደሓር ክህሉ ዝኽእል እንተ ዀይኑ እንታይ ኢኻ ክትገብር፧ ሓዊ ስለምንታይ ኢኻ ትድጒሎ፧ ንፋስ፡ ማይ ከይረኽቦ’ሞ ከይጠፍእ። ምድጓል ማለት ንሓደ ዝተጸንዐ ዕላማ ሓይልኻ ዓቂብካ ንምጽናሕ ዝግበር እዩ። ሓፊዝ ኲናት ኣሎ ኢሉ ወኑ ተላዒሉ ነይሩ፡፡ ኲናት የለን ምስ ተባህለ ኸኣ ክንደይ ግዜ ኣይሰላም ኣይኲናት፡ ኣይኲናት ኣይሰላም ኢሉ ብዙሕ ሓሳባት ኣልዒሉ። ከመይ ኢሉ ሰላም የለን ወይ ኲናት የለን ክብል፧ እቲ ሰብ ክህሉ እዩ ዘለዎ። ክህሉ እንተ ዀይኑ ኸኣ ተድጒሉ ክጸንሕ ኣለዎ። እቲ መድረኽ ተድጒልና ክንጸንሕ ኣሚቱልና እዩ።

መልሰ-ግብሪ ኣንበብቲ ከመይ ረኺብካዮ?

ብጣዕሚ ጽቡቕ ረኺበዮ። ኣብ በይንኻ ክትጽሕፍ ከለኻ ክትግምግም ኣይትኽእልን ኢኻ። እቶም ኣብታ መጽሓፍ ዝተሳተፉ ኣርታዕቲ ብዝሖምን ብቕዓቶምን ክትርኢ ከለኻ ዘገርም እዩ። ንሳቶም ዝሃቡኒ ግብረ-መልስን ርእይቶታትን ግዜ ሂበ ብግቡእ ሰሪሐ በሃሊ እየ። ሓይሊ ናይታ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነ ሓይሊ ናይቶም ኣርታዕቲ’ውን ዓቢ ተራ ነይሩዎ። ግብረ-መልሲ ኣንበብቲ ኸኣ ኣብ ጋዜጣ፡ ኢንተርነት፡ መጽሔት፡ ዘተ፡ ኤሪ-ቲቪ፡ . . . ብዙሕ ግዜ ተጻሒፉን ተላዒሉን እዩ። ኣነን እቶም ኣርታዕትን ኣብ ክልተ ጫፋት ኴንና ምስ ሰሓብናያ ኣብ ሓደ ማእከላይ ቦታ መጺኣ ንኹሉ ኣንባቢ ክትጥርንፍ ክኢላ።

ካብ ተደጐል እንታይ ተማሂርካ?

ተደጐል ከቢድ ጻዕሪ እያ ሓቲታ። እቲ ናይ ምጽሓፍ ክእለተይ ብምጽሓፍን ምድምሳስን እዩ ተሪሩ ኣብ ተደጐል። ኣብቲ ግዜ ብዙሕ ርእሰ-ተኣማንነት ነይሩኒ ክብል ኣይክእልን እየ። ከምዚ ኣብ መሰጣሕ ዘሎ ማይ ናብዝን ናብትን ዝገላበጥ፡ ከምኡ እየ ነይረ። ሕጂ ምሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ኣሎኒ ክብል እኽእል። ብዛዕባ ጽሑፍካ ግድን’ዩ ርእይቶ ዘድልየካ። ኣዝዩ ብዙሕ ተመኵረ ኣለኹ። ተደጐል ብዙሕ ግዜ እያ ተጻሒፋ። እቲ ኣብ መጀመርታ ዝጸሓፍኩዎን እቲ ናይ መወዳእታን ሰማይን ምድርን’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ተመኲሮን ዓቕምን ነታ መጽሓፍ ምስ ጀመርኩዋ እዩ ተጠርዩ።

ብቋንቋ ኣዴኻ፡ ብቛንቋ ሳሆ፡ ናይ ምጽሓፍ መድብከ ኣለካዶ?

ኣብ ጽሑፍ ናይዚ ቋንቋ ብዙሕ ምልከት የብለየን። ኩሉ ህይወተይ ብናይ ሰራዊት ባህሊ እዩ ተጸልዩ። ስለዚ ኣብ ናይቲ ሕብረተሰብ ባህሊ ኣትየ ክጽሕፍ ከሽግረኒ ይኽእል’ዩ። እንተ ተበጊስካ ግን ዘይከኣል ነገር የለን፣ መጽናዕቲ ገይርካ ዘይጽሓፍ የለን። እኩብ ሓጸርቲ ዛንታት እንተ ጽሒፈ ግን ምስተን እኩባት ብቛንቋ ሳሆ ሓጺር ዛንታ ከቕርብ መደብ ኣሎኒ።

ናይ ቀረባ መጻኢ መደብካ እንታይ እዩ?

ኣብ ምጽሓፍ ስለ ዘለኹ፡ ክጽሕፍ እየ። ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ድራር መደብ፡ ከምኡ’ውን ተደጐል ትምረቐሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ‘ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ’ ምስ በለኒ፡ ‘ምጽሓፍ’ሲ ክጽሕፍ እየ፣ ንቑልቑል ገጽካ ደኣ ከይከውን እንበር’ ኢለዮ። ከመይ ንቑልቑል እንተ ኢልና፡ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ተደጐል እናዀነት፡ ብድሕሪኣ ዝመጽእ ንታሕቲ ከይከውን እምበር ምጽሓፍሲ ክጽሕፍ እየ። ልክዕ ሽዑ ጸቕጢ ነይሩኒ እዩ። ተደጐል ዘለዋ ሓይሊ ሒዛ ወጺኣ ጽቡቕ ግብረ-መልሲ ነይሩዋ። ካብኡ ንላዕሊ እንተ ዘይኰይኑ ካብኡ ንታሕቲ ክጽሕፍ ከም ዘይብለይ እፈልጥ’የ። ሕጂ ኸኣ ብኻልአይቲ መጽሓፈይ ቀሲነ ኣለኹ።

ዝተንጠልጠለ ዛንታ ሓፊዝን ራህዋን ከመይ ክኸውን’ዩ? ምናልባት ነቲ ዛንታ ክትቅጽሎ. . .

እቲ ራህዋን ሓፊዝን ዝለዋወጥዎ ዝነበሩ ደብዳቤታት ቀሊል ኣይኰነን - ብዓይኒ ትሕዝቶ ፍቕሪ እንተ ርኢኻዮ። ተደጐል ካልኣይ ክፋል ክህልዋ ኣለዎ በሃላይ እየ። ናይ ሓፊዝን ራህዋን ፍቕራዊ ህይወትን ብድሕሪኡ ዘሎ ኲነታትን የገደስ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ጠልጠል ስለ ዝገድፍናዮ። ኣብ ካልኣይ ክፋል ተደጐል ጽቡቕ ገይሩ ምተገልጸ ምበልኩ። እታ መጽሓፍ ኣብ ምዝዛማ ሓፊዝን ራህዋን ምስ ተራኸቡ እዩ እቲ ዛንታ ዝውድእ። ስለዚ፡ ምቕጻሉ እሓስበሉ እየ።

የቐንየለይ!