Interview

ቃለ-መጠይቕ ምስ ሄኖክ ተስፋብሩኽ ሓደ ካብ ኣሳናዳእቲ መጽሓፍ “ግፍዒ፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ”

ዮሴፍ ኣስመላሽ


ኣሕተምቲ ሕድሪ ካብ መጋቢት 2013 ክሳብ ሰነ 2017 “ዛንታታት ተመኵሮ ገድሊ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ተኸታታሊ ቅጺ፡ ሸሞንተ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ ኣሎ። እቲ ሻሙናይ ቅጺ “ግፍዒ፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ” ዝብል ኰይኑ ብ17 ሰነ 2017 ኣብ ኣዳራሽ ኤክስፖ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ናይ መላለዪ ወግዒ ተዘርጊሑ ይርከብ። እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኣብ እዋናት ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተፈጸሙ ዝተፈላለዩ ግፍዒታት ኣብ 43 ዛንታታት ተሪኹ ኣሎ። ኣባል ሕድሪ ሜድያ ዮሴፍ ኣስመላሽ ምስ ሓደ ካብ ኣሰናዳእቲ ናይዚ መጽሓፍ፡ ዝዀነ ሄኖክ ተስፋብሩኽ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ስዒቡ ይቐርብ፤



 እዛ ሻሙነይቲ ቅጺ ካብተን ቅድመኣ ዝነበራ ቅጽታት እንታይ ፍሉይነት ኣለዋ?

ካብዘን ተዘርጊሐን ዘለዋ ሸሞንተ ቅጺታት፡ እተን ሓሙሽተ (ሓመድ-ድበ ናደው፡ መቐይሮ፡ ፈንቅል፡ መፈጸምታን ናቕፋን) ዝያዳ ኣብ ወተሃደራዊ ሸነኽ ናይቲ ገድሊ ዘተኵራ እየን። “ደጀን”፡ ከምኡ’ውን “ገድሊ ደቀንስትዮ” ኸኣ ቍሩብ ፍልይ ይብላ። “ግፍዒ” ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ህዝቢ ዘውረድዎ ግፍዒታት ስለ እትገልጽ ናታ ፍሉይነት ኣለዋ።


 እዚ ልዕሊ 600 ገጻት ዘለዎ መጽሓፍ ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ’ዩ ተዳልዩ። ብኸመይ ግብራዊ ኰይኑ?

ብዙሓት ሰባት ስለ ዝተሳተፉዎ እዩ። እዚ ቅጺ’ዚ ከየባተኸ ብምቕጻሉ ንብዙሓት ኣካላት ኣጣሚሩ ናይ ምስራሕ ባህሊ ኣጥርዩ እዩ፣ ካብ-ናብ ዝርአ ለውጢ ከኣ ይገብር ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣርእስቲ ናይቲ ቅጺ ምስ ተወሰነ፡ ንጸሓፍቲ ዓዲምካ ይንገር ነይሩ። እቶም ጸሓፍቲ ኸኣ ምስኡ ዝተኣሳሰር ዛንታ በብወገኖም ማእሪሮም ይጽሕፉ’ሞ፡ ምስ ቀረበ ይምመ፡ ርእይቶታት ይወሃበሉ ወዘተ.። ኣብዚ ሻሙናይ ቅጺ ግን፡ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ቦታታት ኣቐዲምካ ብምልላይ ጸሓፍቲ ከም ዝምደብሉ ብምግባር’ዩ ተዳልዩ።


 ንምንታይ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ከምኡ ኣድልዩ?

ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ቦታታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። እቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ቅጺታት ክጽሕፉ ዝጸንሑ ዝበዝሑ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝቕመጡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣበየ ከባቢኡ ዝርከቡ ንቛንቋ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝፈልጡን ክመላለሱ ዝኽእሉን ጸሓፍቲ ምሕራይ የድሊ ነይሩ። ብዙሓት ካብ’ቶም ጸሓፍቲ ንመጀመርታኦም ብትግርኛ ዝጸሓፉ ደኣ ይዅኑ’ምበር፡ ነቲ ቅጺ ፍሉይ ቀመማት ክውስኽሉ ክኢሎም እዮም። ብሕልፊ ገለኦም ዓበይቲ ጸሓፍቲ ኰይኖም ክወጹ ዘኽእል ዕቑር ዓቕሚ ኣለዎም።


 ኣብ’ዚ መጽሓፍ’ዚ ዘለዉ ዛንታታት ብዓይነት፡ ግዜን ከባቢን ዝርግሐኦም ከመይ ተንጸባሪቑ ኣሎ?

ግዜ ብደሓን መገዲ ተሸፊኑ ኣሎ። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ስሳታት፡ ፈለማን መፋርቕን ሰብዓታትን ድሕረኡን በብመድረኹን ምኽንያቱን ተገሊጹ ኣሎ። ብቦታ ግን ንዅሉ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ክትሽፍኖ ዝከኣል ኣይኰነን። ብዝተኻእለ መጠን ግን ንብዙሕ ቦታታት - እቲ ዓበይቲ ዝበሃል - ክጠቓለል ተፈቲኑ እዩ። ብዙሕ እዋን ዝደጋገም ከም ኣብ ወኪ-ድባ፡ ዖና፡ ሽዕብ፡ ሃዘሞ ወዘተ. ዝተፈጸመ ግፍዒታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብዚ መጽሓፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተፈጸሙ 43 ዛንታታት ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ብዛንታታት ዘይተንጸባረቐ ከኣ ዝበዝሕ ኣብ መእተዊን ኣብ ሰነዳት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ተመርኲሱ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽን ተገሊጹ እዩ። ስለዚስ ተደማሚሩ ደሓን ስእሊ ናይቲ እዋን ክህብ ክኢሉ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና።


 ኣብ ዓይነታት ናይቲ ግፍዒኸ?

ግፍዒ ከም ኣምር ገፊሕ እዩ። ኣብ ልምድን ባህሊን፡ እምነት፡ መሰል፡ ስነ-ጥበብን ቋንቋን፡ ቍጠባ፡ ወዘተ. ዝነበረ ግፍዒታት እናበልካ ብዙሕ ክግለጽ ይከኣል’ዩ። ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ተጠቓሊሉ ዘሎ ብወፈራ ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ዝተኻየደ ጃምላዊ መቕተልቲ፡ ዝምታን ምቅጻል ዓዲን ዝኣመሰለ ጥራይ እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ዓይነት ግፍዒ፡ እዚ መጽሓፍ ጽብብ ዝበለ እዩ። እቲ ኣቀታትላ ግን ብዘገርም መገዲ ዝተፈላለየ ዓይነታት ነይሩዎ እዩ፣ ተንጸባሪቑ ኸኣ ኣሎ።


 43 ዛንታታት ብዛዕባ ምቕታል፡ ምቅጻል... ስለ ዝዀነ መለሳ ትስእነሉ ከይከውን የሰክፍ እዩ። ልዕሊ 600 ገጻት ምስ ምዃኑ ናብ ምስናድ ገጹ ዝኸደ ኣተሓሕዛዶ ኣይሓዘን?

ብሓፈሻኡ፡ ከምቲ ዝተለምደ፡ ሓደ ‘ጸላኢ’ ዝተባህለ ን’ህዝቢ’ ዝበሃል ቀቲሉ እንተ ኢልካ ዋላ ሓንቲ መስመር’ውን ትኣክል እያ። ዋላ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ይደጋገም ተመሳሳሊ ዝመስሎ ኣይሰኣንን ይኸውን - ምናልባት። ግና ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ፍሉይ እዩ፣ ተፈጥሮኣዊ ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ። ህይወት’ዩ ጠፊኡ፣ ስድራቤታት’የን ተበታቲነን፣ ዓድታት’የን ነዲደን ከም ዘየለዋ ኰይነን። ወለዲ ኣብ በበይኑ እዋን ዝወለዱዎም ደቆም ብሓደ እዋን ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክቕተሉ፡ ቈልዑ ገና ብንኡሶም መቕተልቲ ኣቦኦም፡ ኣደኦም፡ ኣሕዋቶም... ክርእዩ፡ ምሉእ ዕድመኦም እናተመላለሰ ዝሃድኖም እዩ፣ ዘባህርር እዩ። ብወገነይ ኣብ ምቕታል ሰብ ተመሳሳልነት ኣይረኣየንን እዩ። እቲ ዝተረፈ ዝስከሞ ቃንዛ፣ ደቂ ነይሮሞ ጥርሑ ዝተረፈ፣ ምሉእ ዓዲ ተሰዲዱ ዝተበታተነ፡ ክንደይ ኢኻ ክትብሎ። ኣብ ሓደ እዋን ነይሩ ዝተዓጽወ’ውን ኣይኰነን - እቲ ሓድጉ ምስ’ቶም ዝተረፉ ምሉእ ዕድመኦም ዝጓዓዝ እዩ። ሰባት’ዮም፡ ቍጽሪ ኣይኰኑን፣ ሰብ ተገፊዑ ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍ ኣይኰነን። እቶም ጸሓፍቲ ናብ ዓድታቶም ወይ ሕጂ ዘለውዎ ከይዶም ንቓለ-መጠይቕ ክሓቱዎም እንከለዉ ንብዙሓት መጀመርታ ይኣብዩዎም ነይሮም። ድሕሪ ክንደይ ምስ ጀመሩ እቲ ቅድሚ 40 ዓመት ዝተገብረ እንደገና ናብ ውዑይ ሓዘን ይመልሶም ነይሩ። እዚ እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ቅድም እዋን ዝነበረ ጥራይ ኢልካ ዝሕለፍ ድዩ? እዚ፡ እናተዛነኻ እተንብቦ ዛንታ ኣይኰነን። ግዜ ንኸተጥፍእ እተንብቦ ኣይኰነን። ዕቱብ ንባብ ዝደሊ እዩ።


 እቲ ጽሑፍ ተነባቢ ንክኸውንከ እንታይ ተገይሩ?

ኣብ ትሕዝቶኡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ኰይኑ፡ ኣብ ኣቀራርባ ናይቲ ጽሑፍ ግን ብዝተኻእለ መጠን ጻዕርታት ይግበረሉ እዩ። ብሕልፊ እዚ ብሓፈሻኡ ገይርካ ዝንገር ዛንታ ተመራጺ ኣይኰነን። እቲ ዛንታ ገጽ ክህሉዎ ኣለዎ። ዝበዝሕ ከኣ ኣብቲ ግፍዒ ናይ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ዛንታ እዩ። ጸሓፍቲ’ውን ኣብቲ ጥበብ ኣዛናትዋ (mode of narration) መለሳ ንኽእልዎ ብዓቕሞም ይጽዕሩሉ እዮም። ብሓፈሻኡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሕ ጻዕሪ የድልዮ እዩ። ዝበዝሕ ኣዘንታዊ (narrative feature story) እዩ ክብል እኽእል። ገለኡ ከኣ ናብ ደረጃ ሓጺር-ዛንታ ዝደየበ ኣይሰኣኖን።


 እዞም ጽሑፋት ታሪኽ ሓዘል ዛንታ ብምዃኖም፡ ልክዕነት ንምርግጋጽ ዝወሰድክሞ መነጻጸሪ ሜላታት እንታይ እዩ?

እቶም ጸሓፍቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ ፍጻመ ምስ ሓዙ ኣብ መስመር ዛንታ ናይቲ ውልቀ-ሰብ’ዮም ዘተኵሩ። ቍጽሪ ዝተቐትለ፡ ዝቘሰለ፡ ዝተቓጸለ፡ ዝዓነወ፡ ወዘተ. ግን ብልክዕ ከረጋግጹ ርእሱ ዝኸኣለ ካልእ ዕማም’ዩ። ግና ብዝተኻእለ መጠን ሓቀኛ ስእሊ ንኽህቡ ጽዒሮምሉ እዮም። ኣብ ርእሲ’ቲ ቀዳማይ ምንጪ ሰነዳት’ውን ይውከሱ እዮም። ዝተፈጸመ ብዝርዝር ንምፍላጡ ካብ ናይ ከተማ ኣብ ዓድታት ዝሓሸ ነይሩ። ዓድታት ኣብ ውሽጠን ዝተኻየደ ይፈልጣ እየን። ብዓቢኡ ግን ብዛዕባ ግፍዒታት ብኽፍሊ ምርምርን ስነዳን ንዓመታት ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ ኣሎ። ንሱ ምስ ተዘርግሐ’ዩ ልክዕ ዝርዝር ናይቲ ግፍዒ ከርእየና።


 እዚ ፍጻመ 40-50 ዓመት ስለ ዝገበረ፡ ንገለኦም ግዳያት ብህይወት ዘይክትረኽቦም ትኽእል፡ ናብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ኣካል ዝተሰጋገረ ዛንታ ኢኻ ትረክብ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ታሪኻዊ ብምዃኑ፡ ከምቲ ባዕሉ እቲ ግዳይ ዝወዓሎ ገይሩ ዘዕልለካ ኣይከውንን፡ እቲ ስምዒት ኣይጠፍእንዶ፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ዝህብዶ ኣየምስሎን?

ኣብቲ ፍጻመታት ዝነበሩ ይውሕድ ደኣ’ምበር ፈጺሙ ዝሰኣን ዳርጋ የለን። ሓንቲ ንእሽቶ ዛንታ ንኽትጽሕፍ ዘድልየካ ማተርያል ብተዛማዲ ደሓን’ዩ። ንሓደ ታሪኻዊ ልብ-ወለድ ዝጽሕፍ ግን ብድሆ ክዀኖ ይኽእል’ዩ። እቶም ጸሓፍቲ ምስ ወፈሩ ዘጓነፎም ይፈላለ እዩ። ደማሚርና ክንርድኦ እንከለና መታሕት ናይ ሃገርና ዝሓሸ ናይ ምስናድ ባህሊ ኣለዎ፡ ኣብ ዝኽሪ ይዅን ኣብ ጽሑፍ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ዝነበረ ኣብ ከተማታት እዩ። ንኣብነት ኣኸደር ኣሕመዲን ብዛዕባ’ቲ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ዝነበረ ዕግርግር ኣስመራ ክጽሕፍ ክንደይ ዕግርግር’ዩ ኣሕሊፉ፣ ገሊኦም ስድራኦም ዝተቐትልሉ መዓልቲ’ውን ኣይዝክሩን። ብዛዕባ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ መንደፈራ’ውን ከምኡ። በቲ ሓደ ወገን እቶም ግዳያት ሓቆም እዮም። ሰባት ምንባር ንክቕጽሉ ዝተፈላለየ ሜላታት ኣለዎም። ዝዓበየ ካብኡ ነቲ ዘቐንዝወካ ፍጻመ ክትርስዖ ምጽዓር እዩ። ከይረስዕዎ ክነብሩ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኰነን።


 ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ተፈጺሙ ዘሎ ግፍዒ፡ ሰለማውያን ሰባት ምቕታል፡ኤርትራውያን ብምዃኖም ጥራሕ ዝወረደ ግፍዒዶ ክትብል ትኽእል?

ብሓፈሻኡ ምስቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ርዱእ እንድዩ፡ ግና ዝተፈላለዩ ክኢላታት ነዚ መጽሓፍ ኣንቢቦም እንተ ዝጽሕፉሉ ዝበለጸ ምዀነ እብል። እቲ ድርኺት እንታይ እዩ? ከምዚ ዓይነት ግፍዒታት ምስ ወረደ ጸላኢ ቀቲልዎም ጥራይ ኢልካ ዝውዳእ ዘይኰነ፡ እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ፡ ህይወቶም ዝተዘርገ፡ ዘፍቅሩዎም ዝሰኣኑ፡ ዓዶም ዝሰኣኑ፡ ዒላታቶም ዝተቐብረ፡ ዓድታቶም ምስ ተደምሰሳ ዳግማይ ዘይተመስረታ፡ ዝተሰዱ ዘይተመልሱ፡ ሳዕቤናቱ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኰነን። እቲ ኣቀታትላ’ውን ዓይነታት ነይሩዎ። ጥይት ተተኲስሎም ንክቕተሉ ዕድል ዝሰኣኑ’ውን ብዙሓት እዮም። ክኢላታት ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ ካብኡ ኣውጺኦም ክትንትኑልና እንጽበዮ እዩ።


 ኣብ መወዳእታ፡ እዛ መጽሓፍ ካብ እትዝርጋሕ ሓሙሽተ ወርሒ ገይራ ኣላ፣ ዝመጻኣኩም ናይ ኣንባቢ ግብረ-መልሲ ከመይ ይመስል?

በብውልቂ ብዘረባ እንተ ዘይኰይኑ፡ ተጻሒፉ ዝቐረበ ግብረ-መልሲ ኣይረኣናን። እዚ ከኣ ሕዱር ጸገማትና ይመስለኒ። ሓደ ጽሑፍ ብዝተፈላለየ ሜላታት መራኸቢ ብዙሓን እንተ ዘይተጻሒፉሉ ህይወት ክረክብ ኣይክእልን’ዩ። ከምቲ ኢምቤርቶ ኡኮ ዝበሎ፡ ጽሑፍ ዝደቀሰ ማሽን’ዩ። ብዘይ ኣንባቢ ከኣ ህይወት የብሉን። ዘንቀሳቕሶ እቲ ኣንባቢ እዩ። እዚ መጽሓፍቲ’ዚ ከኣ ካብ ዕጫ ናይ ካልኦት መጽሓፍቲ ከምልጥ ኣይክእልን’ዩ። ሰለስተ ዓበይቲ መጽሓፍቲ ናይ ኣለምሰገድ ተስፋይ እንታይ ዕቱብ ግብረ-መልሲዶ ረኺበን እየን? ግና እንተ ወሓደ እቲ መራኸቢ ብዙሓን ንኸምኡ ዝምልከት መደብ ገይሩ እንተ ዘፋልጦ እናዓበየ ናብ ‘ክሪቲካል’ ንባብ ክደፍእ ምኸኣለ።
ይዅን’ምበር፡ እዚ መጽሓፍ ናብ ዓረብኛ፡ ትግራይትን ኣምሓርኛን ይትርጐም ኣሎ። ገለኡ ኣብ ቀረባ ግዜ ተሓቲሙ ክዝርጋሕ እዩ።