Book Reviews/ገምጋም መጽሓፍ(ኣሕተምቲ ሕድሪ)

4 ገምጋም መጽሓፍ፣ ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956-1962

ብኣለምሰገድ ተስፋይ
  • ዓይነት መጽሓፍ፤ ፖለቲካዊ ታሪኽ
  • ገጻት፤ 743
  • ኣሕታሚ፤ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ 2016
    • ገምጋም-መጽሓፍ፤ ሳላሓዲን ዓሊ
      18/11/216

ገምጋም መጽሓፍ፣ ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956-1962

እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ መቐጸላታን መዛዘምን ናይቲ ኻብ ምብቃዕ መግዛእቲ ኢጣልያ ኽሳዕ ምሉእ ጎበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያ (1941-1962) ዝነበረ ፖለቲካዊ-ታሪኽ ኤርትራ ማእከል መጽናዕቱ ዝገበረ ዓብይ ምርምራዊ መደብ እዩ። ስለዝዀነ ኸኣ፡ ንተራ ንባብ ይዅን ንዝያዳ ምርምርን ህየሳን ብምሕሳብ ኣብ እንነቕለሉ እዋን፡ ንሰለስተኦም ቅጽታት ማለት፡ ኣይንፈላለ (2001)፡ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ማቴንሶ ክሳብ ተድላ (2006) ከምኡ’ውን እዚ ሕጂ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ ከም ሓደ ጥሙር ስራሕ ( ወይ trilogy) ብምርኣይ ጥራይ ኢና፡ ጸሓፊ ዝተኸተሎ መስመር ኣዘናትዋን ንዘቕረቦ ታሪኻዊ ምጕትን ብግቡእ ክንስዕብ እንኽእል። እዚ ሕጂ ዘቕርቦ ዘለኹ ኣዝዩ ሓጺር ገለጻ ከኣ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብንኡስ ዓቐን ዘንጸባርቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ስፍሓት ናይቲ ንልዕሊ 1,600 ገጻት ዝኸደ ተኻታትሊ ቕጽታት ኣብ ግምት ኣእተየ፡ ንገምጋማይ ኣብዚ ሎሚ ወግዒ-ሌላ ዝግበረሉ ዘሎ ሳልሳይ መጽሓፍ ጥራይ ሓጺረዮ ኣለኹ። ከምቲ ጸሓፊ ደጋጊሙ ዝጸወዖ ግን፡ እዚ ሰፊሕ ናይ ታሪኽ ስራሕ ንዝሰፍሐ ገምጋምን ህየሳን ይብድህ ኣሎ።

መጽሓፍ ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን ከም’ቶም ዝመርሑዎ ቕጽታታ፡ መጽሓፍ ፖለቲካዊ-ታሪኽ እዩ። ንፖለቲካዊ መስርሓትን ፍጻመታትን ናይቲ ማእከል መጽናዕቱ ዝገበሮ እዋን ከኣ፡ ብሰፊሕ ይትርኾን ይትንትኖን።

በዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎም ክልተ ነጥብታት እናተመራሕኩ’ምበኣር፡ ኣብዚ ገምጋም’ዚ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክምልስ ክፍትን እየ፤
1. ታሪኻዊ ምጕት (historical argument) ናይዞም ሰለስተ ቕጽታት እንታይ እዩ፧
2. ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ዘሎ መልክዕ ኣጸሓሕፋ፡ ኣወዳድባን መረጻን ኣርእስታትን ክሳብ ክንደይ ንትሕዝቶ እቲ ምርምር ኣብ ምትሕልላፍ ተዓዊቱ፧
3. ጸሓፊ ዝተጠቕመሎም ምንጭታትን ኣጠቓቕመኦምን ከመይ እዮም፧
እቲ ኣውራ ዕላማ ኸኣ ነዞም ሕቶታት ብምልኣት ንምምላስ ዘይኰነ፡ ኣብኣታቶም ዘለኒ ንኣሽቱ ርእይቶታት ብምሃብ፡ ንዝያዳ ገምጋምን ህየሳን ምድራኽ እዩ።

1.    ታሪኻዊ ምጕት

ካብ ዝገፍሐ ናብ ዝጸበበ ምእንቲ ክኸይድ፡ ብጠማሪ ታሪኻዊ ምጕት ናይ ሰለስተኡ ቕጽታት ክጅምር ዝሓሸ እመስለኒ።
ዘበናዊ ስእለ-ታሪኽ (historiography) ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝን ፈደረሽንን ድማ ብፍላይ፡ ተቓራኒ ርእይቶታት ብዘለዎም ጸሓፍቲን ጽሑፋትን ዝተመልአን ኣሻማውን ዓውደ-ፍልጠት ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ነቲ እዋን ኣመልኪቶም ዝተገብሩ ዝበዝሑ መጽናዕትታት፡ በብናይ ግሎም ፖለቲካዊ ቅድመ-ፍርዲ ዝተጸልዉ እዮም። ብጸሓፍቲ ዝቐርቡ ምጕታት ካብ-ናብ ፍልልይ ዘይሰኣኖም እኳ እንተ ዀነ፡ ብቐንዱ ግን፡ ነቲ ዓብላሊ ናይ ኢትዮጵያ መስመር-ታሪኽ ዝኽተል ወገንን ንኤርትራዊ ሃገራውነት ማእከል ገይሩ ዝጽሓፍ ሸነኽን ኢልካ ንምኽፋሎም ዝከኣል ’መስለኒ።
እቶም ኣብ ለኸ ኢትዮጵያዊ መስመር-ታሪኽ ቈይሞም ዝጣበቑ፡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኸም ኣካል ናይቲ ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝኣተዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝማዕበለኦ ናይ ጸረ-መግዛእቲ ሃገራውነት ዘይኰነ፡ ድሒሩ ዝተላዕለን ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ድሕረ-መግዛእታዊ ኣፍሪቃዊ መንግስትነት (post-colonial African states)፡ ንኢትዮጵያ ሓዊስካ፡ ዝተኸስተ ብዙሕ ዝዅርንዑ ቅልውላዋትን ገይሮም ይርድኡዎ።

ጸሓፊ (ኣለምሰገድ ተስፋይ)፡ ነቲ ኢትዮጵያዊ መስመር-ታሪኽ ዝኽተል ኣተሓሳስባ፡ ዝተፈላለየ መርትዖታት ታሪኽ ብምቕራብ ኣብ ሰለስተኡ ቕጽታት ነጺጉዎ እዩ። ኣለምሰገድ ኣብዘን ቅጽታት ዘሰጐሞ ታሪኻዊ ምጕት ድማ፡ ኤርትራውያን ካብ 1940ታት ኣትሒዞም ዘካየዱዎ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ ግዜ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ተወሊዱ እናደንፍዐ ዝመጽአ ሃገራዊ ስምዒት ምዃኑ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ መጠረሽታኡ ናብ ደረጃ ብረታዊ ቓልሲን ሃገራዊ ናጽነትን ከም ዝበጽሐ እዩ።
ጸሓፊ ኣብ ስርሓቱ፡ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ መስመር-ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነ ነጺጉ፡ ነቲ ብውድባት ሰውራ ኤርትራን ብኻልኦት ንጉዳይ ኤርትራ ንምስጓም ዝጸሓፉን ዝቐረበን፡ ኤርትራዊ ተመራማሪ ታሪኽ ባይሩ ታፍላ ኣብ ሓደ ጽሕፉ ናይ ሓርነት ታሪኽ (liberation history) ኢሉ ዝሰመዮን፤ ታሪኽ ኤርትራውያን ካብ ቅድሚ መግዛእቲ ኣትሒዙ ትኽ ብዝበለ መስመር ከይተበትከ ኸም ዝተጓዕዘ ዝገልጽ ዝበዝሕ እዋን ‘ተኸላኻሊ’ (defensive) ጠባይ ንዘለዎ ኣቀራርባ’ውን በዲሁዎ እዩ። ጸሓፊ፡ ነዚ ንምብራህ ኣብ መእተዊ ናይዚ ሕጂ ሌላ ዝግበረሉ ዘሎ መጽሓፍ ዝበሎ ኣገዳሲ ነጥቢ ምጥቃስ ይከኣል፡
ታሪኽ ኤርትራ. . . በቲ ኣንጻሩ ዝተባህለ ነጻጊ ኣንፈት ክምራሕ የብሉን። ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዘዛምዶ ናይ ታሪኽ ሓቅታትን ፍጻመታትን ካብ ነፍሱ ኣብ ምግላል ወይ ኣብ ምርሓቕ እውን ግዜን ጉልበትን ከጥፍእ ኣየድልዮን’ዩ። ኣብ ታሪኽ ምስ ዝኾነት ሃገር ስለ ዝተዛመደ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ዝማዕበለ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝንክየሉ ወይ ዘፍክሶ ጉዳይ ወይ ክውንነት የለን. . . .
ጸሓፊ ኻብዚ ኣረዳድኣ’ዚ ብምንቃል፡ ኣብ ሰለስተኡ ቕጽታት፡ ንፖለቲካዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኸይኰሓሓለ (romanticize ከይገብረ)፡ እቲ ፖለቲካዊ መስርሕን መካይድቱ ዝነበረ ዕብየት ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን፣ ናይ ተቓውሞን ምትሕብባርን ፣ ናይ ገስጋስን ድሕሪት ምምላስን፣ ናይ ብዙሕ ዝኣንፉ ውሽጣዊ ፍሕፍሐን... መስርሕ ጽማረ (synthesis) ምንባሩ እዩ ኣርእዩ። ስለዚ፡ ሓድሽ ሃገራዊ ዘበናዊ ታሪኽ ኤርትራ ንምጽሓፍ ብምንቃሉ፡ “ሳልሳይ መንገዲ ዘርኣየ ፈላማይ ስራሕ እዩ፡” ናብ ዝብል መደምደምታ ኽወስደኒ ኽኢሉ እዩ። ኣብዚ ዕዮታት’ዚ ኣተኲሮም ዝግበሩ ገምጋማት ከኣ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ነቲ ጸኒሕ ስእለ-ታሪኽ ምስዚ ሓድሽ ኣተሓሕዛ ታሪኽ’ዚ እናኣዛመዱ ኽርእዩዎ ተመራጺ እዩ።

2.1. ኣወዳድባ መጽሓፍ

መጽሓፍ ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ስውራን ሳልሳይን መወዳእታን መጽሓፍ ናይ ሰለስተ ተኸታተልቲ ቕጽታት ኰይኑ፡ ናብ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝደፍአ ኸምኡ’ውን ናብ ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ንዘምርሐ፡ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ክልተ ፖለቲካዊ መስርሓት ዘዘንቱ ጽሑፍ እዩ። ካብ ትሕዝቶ መጽሓፍ ብቐሊሉ ኽልለ ኸም ዝከኣል፡ ጸሓፊ ኣብዚ ቕጺ’ዚ ኽልተ መሰረታውያን ሕቶታት እዩ ኽምልስ ዝፍትን፤
ሀ. ናብ ምፍራስ ፈደረሽንን ጎበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያን ዝወሰደ መስርሕ ከመይ ነበረ፧ ተሳተፍቱ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ መነመን ነበሩ፧ ብኸመይከ ፈጸሙዎ፧
ለ. ናይ ጎበጣ መስርሕ እናኸደ እንከሎ፡ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ተቓውሞ ኸመይ ይመስል ነበረ፧ ብኸመይከ ይግለጽ፧ እቲ ተቓውሞታት’ቲኸ እናደንፍዐ ምስ ዝኸደ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ብኸመይ ይተኣሳሰር፧
መልሲ ናይዘን ሕቶታት፡ ኣብ ሰለስተ ኽፋላትን ዕስራን ሽዱሽተን ምዕራፋትን ተዋሂቡ ኣሎ። ኣቐዲመን ንማሕተም ምስ ዝበቕዓ ኽልተ ቕጽታት ተደሚሩ፡ ነቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ናይ ጸሓፊ ታሪኻዊ ምጕት ኣብ ምስጓም ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፋል (9 ምዕራፋት ምዃኑ እዩ)፡ ነቲ ድሒሩ ዝመጸ መስርሕ ጎበጣ ዝጸለዉ ብዙሓት ፍጻመታት ተጠቒሶም ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ፡ ሓደ ኻብቲ ንተቓውሞ ዘዳኸመ ረቛሒ ተባሂሉ ዝተጠቕሰን ዓብይ ፖለቲካዊ ሳዕብየን ዘኸተለን፡ ዘይከምቲ ኣብ 1940ታት ዝነበረ ህዝባዊ ተሳትፎ፡ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ 1950ታት ዝተራእየ ምግላል ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ኻብ ሃገራዊ ፖለቲካ፡ ብሰፊሕ ተተንቲኑ ኣሎ። እዚ ፖለቲካዊ ምግላል ናይ ህዝቢ’ዚ፡ ንፖለቲካ ፈደረሽን በብቝሩብ ናብ ናይ ተሓባበርቲ-ኣርካናት ፖለቲካ (collaborationist elites) ብምቕያር፡ ንጎበጣ ኣበርክቶ ምግባሩ ድማ ኣብ ዝሰዓቡ ኽፋላት በሪሁ ኣሎ።
ካልኣይ ክፋል ናይዚ ቅጺ ትሽዓተ ምዕራፋት ኣለዎ። ሸውዓተ ምዕራፋት ካብዚ፡ ዳግማይ ፈኸም ክብል ብዛዕባ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞን መርኣያታቱን የዘንትዉ። እዚ ብዕምቆት ዝተዳህሰሰ ተግባራት ተቓውሞ፤ ኣብ ዕላምኡን መንፈሱን ምስቲ ናብ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ዝወሰደ መስርሕ ዘይብተኽ ቀጻልነት (continuity) ከምዝነበሮ፡ እዚ መጽናዕቲ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።
ሳልሳይ ክፋል ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት እዩ ዘልዕል። እቲ ሓደ ንኣመሳራርታን ቀዳሞት ዓመታትን ሓርነታውያን ውድባት፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ንናይ መወዳእታ ስጕምታት ምፍራስ ፈደረሽንን ጎበጣን የዘንቱ። ኣብቲ ንምምስራትን ፈላሚ ዝምድናታትን ሓራካን ተ.ሓ.ኤን ዝምልከት ምዕራፋት፡ ኣብ ሓያሎ ኻልኦት ጽሑፋት ንዘሎ ድብልቕልቕ ስርዓት ኣብ ምትሓዝን ንዝዓሞቐ ምርምር መንገዲ ኣብ ምጽራግን ብዙሕ ተጓዒዙ ኣሎ።
ምምሕያሽ እተድልያ ዀይና ዝተሰማዓትኒ ሓንቲ ነጥቢ ኽጠቅስ። ምዕራፍ 11 ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ጸሓፍቲ እናልዓለ፡ ንኣመዓባብላ ሃገራውነት ኣብ ኤርትራን ዓለምን ዝርኢ ትንተናዊ ምዕራፍ ክንሱ፡ “ኣመትቲ ጉዳያትን ምዕባለታትን ኣብ መፋርቕ 1950ታት” ዝብል ኣርእስቲ ተዋሂብዎስ፡ ትሕዝቶኡን ኣርእስቱን ዝገጠመ ኰይኑ ኣይረኸብኩዎን። ኣብ ዳግማይ ሕታም ምስ ትሕዝቶ ብዝሰማማዕ ኣርእስቲ እንተ ዝትካእ ዝሓሸ ምዀነ እብል።

2.2. መረጻ ኣርእስቲ

ታሪኽ ብኣዝዮም ብዙሓት ፍጻመታት ዝሃብተመን ንሓድሕዶም ብዝተጠናነጉ ጉዳያት ዝተመርጐን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ጽሑፍ ዝካተቱ ኣርእስታት ምምራጽ ከቢድ እዩ። ስለዝዀነ፡ ወላ’ውን እቲ ውሑድ ገደብ ግዜ ኣቐሚጡ ታሪኽ ክጽሕፍ ዝተበገሰ ጸሓፊ ታሪኽ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ንዘጋጠመ ዅሉ ኽስንድ ኣይክእልን፣ ኣየድልዮን እውን። ንጸሓፊ ዘገድሱዎ፡ እቶም ንሕቶታቱ ዝምልሱ ኣገደስቲ፡ ተዛመድቲ ፍጻመታትን ምትእስሳሮምን እዮም። እቲ ብድሆ ነቶም ‘ኣገደስትን ተዛመድትን’ ፍጻመታት ምልላይ እዩ፣ “ነዚ ምረጽ፣ ነዚ ግደፍ፡” ዝብል ውጹእ ሕጊ’ውን የለን። መረጻ፡ መጠረሽታኡ ንኽእለተ-ውሳነ ውልቀ-ጸሓፊ እዩ ዝግደፍ። ጸሓፍቲ ኣብቲ ዝጽሕፉዎ ዘለዉ ዓይነት ታሪኽ ብምምርኳስ ‘ኣገደስትን ተዛመድትን’ ፍጻመታት ኣብ ጽሑፋቶም የካትቱ። እዚ ምርጫ ድማ ንህየሳን ክትዕን ክፉት ኰይኑ ይቕጽል። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ፡ መጽሓፍ ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን መጽሓፍ ፖለቲካዊ-ታሪኽ እዩ። ብሓፈሻ ኣብዘን ዕስራን ሽድሽተን ምዕራፋት፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 1950ታትን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት 1960ታትን ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብጸንቃቕን ሰፊሕን (exhaustive and comprehensive) ኣገባብ ተዳህሲሱ ኣሎ፡ ዝብል መደምደምታ ኽወሃቦ ይከኣል እዩ። ዘይከም ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ቕጽታት ግና፡ ንፖለቲካዊ-ቝጠባ ናይቲ እዋን’ቲ ዝጽብጽብን ዝተንትንን ርእሱ ዝኸኣለ ምዕራፍ ኣይጸንበረን። ክህሉ ነይሩዎ ዝብል ርእይቶ ኸኣ ኣለኒ። ጸሓፊ ኣብ ምዕራፍ 15 ገጽ 276 ገሊጹዎ’ውን ከም ዘሎ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ብኡ ኣቢሉ ድማ ምድንፋዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ምስቲ እዋናዊ ቝጠባዊ ዅነታት ብቐጥታ ይዛመድ ነይሩ እዩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ምዕባለ ሃገራዊ መንነት ልሙድ ተርእዮ እዩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ረቛሕቲ ንምውላድ ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተኸሎ ዘበናዊ ስርዓተ-ቝጠባ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኰነን። እዚ ማለት ግን፡ ኣብዚ መጽሓፍ ንቝጠባዊ ዅነታት ናይቲ እዋን ጥራሽ ኣይተጸሓፈሉን ማለት ኣይኰነን። ጸሓፊ፡ ኣብ ገለ ምዕራፋት ንቝጠባዊ ታሪኽ ናይቲ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ኻልእ ኣርእስቲ ንእገረ-መንገዱ ጠቒሱ ሓሊፉዎ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራፋት 15ን 16ን፡ እቲ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዝነበረ ቝጠባዊ ዅነታት ምስ ኣድማታት ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ተኣሳሲሩ ተገሊጹ ኣሎ። ብፍሉይ ድማ፡ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ተነጽሎ ኤርትራ ዝትንትን ዓስራይ ምዕራፍ፡ ንተራ ኢጣልያ ኣብ ዝርኢ ንኡስ ኣርእስቲ፡ ምስ ወፍርን ንግድን ዝተኣሳሰር ዝርዝራዊ ሓበሬታ ሰፊሩ ይርከብ። ጸሓፊ ንጭብጥታቱ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣቐዲሙ ምስ ዝጸሓፈን ናብ ዝተፈልየ መደምደምታ ዝበጽሐን ተኸስተ ነጋሽ እናኣነጻጸረ ዘቕረቦ ምጕት ከኣ፡ ኣብ ቍጠባዊ ታሪኽ ናይቲ ግዜ’ቲ ንዘሎ ዕቑር ናይ መጽናዕቲ ተኽእሎ ኣሚቱ ጥራይ ዘይኰነ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ምስ ኣወላልዳን ዕብየትን ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣመልኪቱ ይኸይድ ምስ ዘሎ ኣካዳምያዊ ኽትዕ፡ ቀጥታዊ ዝምድና ከም ዘለዎ ዝያዳ ኣብሪሁ ኣሎ። ተስፋ እገብር ኣብቲ ዳግማይ ሕታም፡ ንቝጠባዊ ታሪኽ ምስዚ ዝተጠቕሰ ነጥቢ ተዛማድነቱ ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ፡ ኣብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ምዕራፍን ብሰፊሕ ኣገባብን ተጻሒፉ ኽንረኽቦ።

2.3. ቅዲ (form) ኣጸሓሕፋ

ምርምር ታሪኽ ኣብ ምእካብ ምንጭታትን ምምስራሖምን ጥራይ ኣይሕጸርን እዩ። ነቲ ውጽኢት ምርምር ሰባት ምእንቲ ኸንብቡዎን ክሰምዑዎን ብዝግባእ ክሓልፍ ይግባእ። ኣብ ጽሕፈት ታሪኽ ስለስተ መልክዓት ወይ ቅድታት ኣጸሓሕፋ ኣለዉ፤ ገለጻዊ፡ ትንተናዊ ከምኡ ድማ ኣዘንታዊ ወይ ተራኺ። ጸሓፍቲ ታሪኽ ንውሓት ስርሓቶም ብዘየገድስ ንስለስተኦም ቅድታት ኣብ ሓደ ስራሕ ብሓባር ዝጥቀምሎም እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ዓብላሊ ዀይኑ ዝወጸ ቕዲ ንምልላይ ግን ኣየሸግርን። ኣለምሰገድ ኣብ ሰለስተአን ስርሓቱ ዝተኸተሎ ዓብላሊ መልክዕ ኣጸሓሕፋ ኣዘንታዊ ምዃኑ ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ኣብ ጽሑፋት ፖለቲካዊ-ታሪኽ ዝተለምደ ቕዲ’ዚ፡ ሓያለ ረብሓታት ኣለዎ። ሓደ፡ እቲ ጽሑፍ ብቕደም-ተኸተል ዝመጹ ፍጻመታት ታሪኽ እናኣርኣየ ኣብ ኣንባቢ ተገንዝቦ ናይቲ ምስ ግዜ ዝኽሰት ለውጢ የሕድር። ካልኣይ፡ ሕሉፍ ርቀት (abstraction) ናይ ሓሳባት ስለ ዘይህሉዎ፡ ካብ ኣብ ኣካድምያዊ ዓንኬላት ወጻኢ ሰፊሕ ተነባብነት ክህሉዎ ይኽእል። ከምዚ ዝበለ ረብሓታት ይሃሉዎ እምበር፡ ብብዙሓት ናይ ታሪኽ ክኢላታትን ንስነ-ታሪኽ ካብ መሰረቱ ብዝበድሁ ናይ ድሕረ-ዘበናውነት (post-modernism) ጸሓፍቲን ከም ዝንቀፍ ምዝካር ኣድላዪ እዩ።
እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ብዓብላሊ ተራኺ መልክዑ ይገለጽ ደኣ’ምበር፡ ኣብ መላእ እቲ ጽሑፍ፡ ናይ ጸሓፊ ኣተረጓጕማን ውልቃዊ ርእይቶን ዝሓዙ ትንተናዊ ሕጥበ-ጽሑፋት ብብዝሒ ይርከቡ እዮም። ብዘይካ’ዚ ኻብ ኣፋዊን ጽሑፋውን ምንጭታት ብቐጥታ ተወሲዱ ብሰፊሕ ዝጽሓፍ ጥቕስታት፡ ኣንባቢ ብዛዕባ እቲ እዋን ኣዝዩ ድሙቕ ዝዀነ ስእሊ ኽህሉዎ ዘኽኣለ ቕዲ ዀይኑ፡ ነቲ ጽሑፍ ዝያዳ ተነባቢ ገይሩዎ ኣሎ።

3. ኣጠቓቕማ ምንጭታት

ጸሓፊ ነዚ ስራሕ ንምድላው ንሰነዳት መንግስታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት መንግስታትን፣ ሰነዳት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሰነዳት ባይቶ ኤርትራ፣ ናይ ግሊ ማህደራትን ጋዜጣታትን ኣብ ርእሲ ምፍታሽ፡ ንልዕሊ ሱሳ ቃለመጠይቓት ከም ቀጥታዊ ምንጪ (primary source)፡ ብዙሓት መጽሓፍቲ ድማ ከም ካልኣይ ምንጪ (secondary source) ተጠቒሙ ኣሎ። ትንተና ምንጪ ሰፊሕ ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ ንኻልእ ሰፊሕ ገምጋም ገዲፈ፡ እዚ መጽሓፍ ብግቡእ ንዝተጠቕመሉ ኣፋዊ ምንጪን ብመንገዲ እዚ ኣገባብ’ዚ ንታሪኽ እቲ እዋን ተደሚሩዎ ዘሎ መበቈላዊ ኣበርክቶን ክጠቅስ።
ኣፋዊ ምንጪ ንገለ ሕቶታት ናይዚ ምርምር’ዚ ብቕኑዕ ኣብ ምምላስን ኣብ ስእለ-ታሪኽ ናይቲ እዋን ተፈጢሩ ንዝጸንሐ ኽፍተት ኣብ ምዕጻውን ዓብይ ኣበርክቶ ገይሩ ኣሎ። ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ ሓደ ኻብ ክልተ ዓበይቲ ዕላማታት ናይዚ ምርምራዊ ስራሕ’ዚ፡ ንብረታዊ ቓልሲን ሃገራዊ ናጽነትን ዝፈረየ መስርሕ ፖለቲካዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምትራኽ እዩ ነይሩ። መፋርቕ 1950ታት፡ ፖለቲካዊ ዓፈናን ምልክን ከምኡ ድማ ፖሊሳዊ ቝጽጽር ዝነገሰሉ ዓመታት ምንባሩ ይዝከር። እዚ ዅነታት’ዚ፡ ኣንጻር እቲ ናይ ሽዑ ኩኔታ (status qua) ብወግዓዊ ኣገባብ ተቓውሞን ኣማራጺ ሓሳብን ክቐርበሉ ንዘኽእል ኵሉ ዓይነት መድርኻት ዓጽዩዎ እዩ። እዚ ድማ ብግደኡ ልኡምነት ኣብ ገለ ድማ ንጡፍ ተሓባብርነት ናይቲ ፖለቲካዊ ኣርካን (political elite) ንፍጹም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣድሚቑን ኣወዓዊዑን፤ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኻብ ዕለት ናብ ዕለት ዝዓብይ ዝነበረ ጽልእን ተቓውሞን ከም ዝጽቀትን ናብ ቅርዓት ከም ዘይወጽእን ገይሩዎ እዩ። ብመንገዲ ወግዓዊ መሓውራት ዝእንገዱ ዝነበሩ ድምጽታት ተቓውሞ (እሞ ድማ ብጽሑፍ ናይ ምስናድ ዕድል ዝረኸቡ)፡ ኣብ ዙርያ ንእስ ዝበሉ ጉዳይት’ምበር ኣንጻር’ቲ ንኣካውና ውሽጣዊ ናጽነት ኤርትራ ዘፍርስ ዝነበረ ስርዓት መሰረታዊ ብድሆ ዘቕርቡ ኣይነበሩን። በዚ እምበኣር ንሓደ ወግዕዊ ሰነዳት ናይቲ እዋን ጥራይ ዝውከስ ጸሓፊ ታሪኽ ኣጋጋዪ ስእሊ ብምሃብ፡ “ዝጥቀስ ህዝብዊ ናይ ተቓውሞ ስምዒትን እናደንፍዐ ዝኸይድ ኤርትራዊ ሃገርዊ መንነትን ኣይነበረን፡” ናብ ዝብል መደምደምታ ኸብጽሖ ይኽእል እዩ። ተመራማሪ ተኽስተ ነጋሽ ንዝጸሓፎ Eritrea and Ethiopia: the Federal Experience ዝብል መጽሓፍ ከም ኣብነት እንተ ወሲድና፡ ንወግዕዊ ሰነዳት ተመርኲሱን ኣብ ተግባራት ፖለቲካዊ መራሕቲ ጥራይ ኣተኲሩን ኣብ ዝሰርሖ ምጕት፡ ኤርትራውያን ኣብ ምፍራስ ፈደረሽን ማዕረ ኢትዮጵያውያን ኢድ ከም ዝነበሮምን፡ ዝጥቀስ ተቓውሞ ኣንጻር እቲ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ከም ዘይነበረን ይዝርዝር። ርእስ-ግሉጽ ፖለቲካዊ ኣጋውላ እቲ ጸሓፊ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ደይመደያዊ ግድፈት (deliberate omission) እዩ ኢልካ ምሕላፉ ዝከኣል ኣኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ጸሓፍቲ ተመሰሳሊ ርእይቶ ከም ዘለዎም ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ሓቂ ኣንጻር እዚ ርድኢት’ዚ ምዃኑ ንምርኣይ ካብ ዝኽሪ ሰባት ታሪኻዊ ጭብጥታት ምእካብ ግድነት ነይሩ።
ኣብ’ዚ ዝምረቕ ዘሎ መጽሓፍ፡ ኣብ ዝኽሪ ሓያሎ ተሳተፍትን ተዓዘብትን ፖለቲካዊ ዅነታት ናይቲ እዋን ብዛዕባ ዝነበረ ተቓውሞ ህዝቢን ምድንፋዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ዝገልጽ ናይ ዓይኒ ምስክርነት፡ ብመንገዲ ቃለመጠይቓት ተኣኪቡ፡ ከም መርትዖ ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ መስርሕ ምቕራቡ፡ ምስ’ቲ ጸሓፊ ብሰፊሕን ኣድማዕን መንገዲ ተጠቒምሎም ዘሎ ናይ ፖሊስ ስለያዊ ጸብጻባት፡ ምስጢራዊ መዘክራት ቆንሱላት ዝተፈላልያ ሃገራትን ዕለታዊ-መዝገብ ውልቀሰባትን ተደሚሩ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ ስእለ-ታሪኽ ናይቲ እዋን ዝነበረ ሃጓፍ ዝመልእ ዓብይ ኣበርክቶ ዀይኑ ንረኽቦ።

ገለ ተወሰኽቲ ሓሳባት

እዘን ተኸታተልቲ ቕጽታት ንተራ ደቀንስትዮ 1940ታትን 1950ታትን ዘይምጥቃሰን፡ ሓሓሊፈን ከም ዝውቀሳን እዚ ጸገም’ዚ ድማ ንጸሓፊ ኸም ዘሰክፎን ኣብ መእተዊ ተገሊጹ ኣሎ። ጸሓፊ፡ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ዳርጋ ኣይነበረን’ሞ፡ እቲ ኽፍተት ድማ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተሳታፍነት ደኣ’ምበር ኣብ ብኩራት ወይ ሸለልትነት ናይዚ ምርምር ነቲ ሕቶ ዘይምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። “ምናልባት፡” ይብል ደራሲ፡ “ምናልባት ዘይዳህሰስናዮ ምንጭታት ከይህሉ ግን ካልኦት ተመራመርቲ ኣድህቦ ክገብርሉ ተስፋ ንገብር።’’ ብርግጽ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ እንተ ነይሩ ኽምርመርን ክጸሓፈሉን ግዲ እዩ። እንተ ዘይተረኽበኸ፧ መፍትሒ ዝኸውን ንእሽቶ ሓሳብ ክህብ።
ብኩራት ደቀንስትዮ ኣብ ጽሑፋት ታሪኽ ግን ኣባና ጥራይ ዝተሓጽረ ሽግር ኣይኰነን። ግደ ሓቂ ታሪኽ ክሳብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዘመን፡ ንተባዕታይ ዘቕድም ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። እዚ ብቐጥታ ምስቲ ህዝባዊ ህይወት ንዝበዝሐ ኽፋል ታሪኽ ዓለም ናይ ደቂ-ተባዕትዩ ርስቲ ዀይኑ ምስ ምጽንሑን ኣተኵሮ ታሪኻዊ ጽሑፋት ድማ ኣብዚ መዳይ’ዚ ጥራይ ተሓጺሩ ምስ ምትራፉን እዩ ዝተኣሳሰር። ንፖለቲካዊ ታሪኽና፡ ዝወጋ (Bias) ቀዳሞት ወለዶ ንምዕራይ ብርእሱ ኽንግምጥሎ ኣይከኣልን እዩ። ታሪኽ ደቀንስትዮ ምጽናዕ ኣብቲ ንኣግእዞን ማዕርነትን ዝግበር ቃልሲ ኣጠናኻሪ ተራ ስለ ዝጻወት ኣድላይ’ኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ናይ ሎሚ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኽንገጥም ዘይነበረን ተራ ኽወሃበን ግን ኣይከኣልን። እዚ ምግባር ንታሪኽ ደቀንስትዮ ኢታሪኻዊን ስነ-ሓሳባዊን ብምግባር ምብላሉ እዩ። ይዅን’ምበር፡ ካብ ህዝባዊ ዓንኬል (public sphere) ውጽእ ኢልና፡ ኣብ ዘቤታዊ ዓንኬል (private sphere) ክንመራመርን ክንጽሕፍን እንተ ኸኢልና ሃናጺ፡ ኣነቓቓሕን ዕቱቡን ታሪኽ ደቀንስትዮ ኸነዳሉ ኸም ንኽእል ርግጽ እዩ። ንማሕበራውን ቍጠባውን ታሪኽ ማእከል ዝገበሩ ምርምራት፡ ንታሪኽ ደቀንስትዮ ናይቲ እዋን፡ ንህይወት ናይ 1940ታትን 1950ታትን ስድራቤታት ኤርትራ ብምጽናዕ እዮም ክረኽቡዎ ዝኽእሉ። ተራን ጽልዋን ደቀንስትዮ ናይቲ እዋን ብቐንዱ ኣብ ስድራቤት ስለ ዝዓዝዝ።
ካልእ፡ ኣብ ድሕረ-ጽሑፍ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ጸሓፊ ኣቐዲሙ ኽረኽቦ ዘይከኣለ ኣገዳሲ ሰነዳት ምርኵስ ገይሩ ኣብ ቀዳሞት ቅጽታት ንዝተላዕለ ኣርእስታት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ። ብፍላይ ካብቲ፡ “The deluge: A personal view of the end of Empire” ዝብል ዘይተሓትመ ጽሑፍ ኬነዲ ትሬቫስኪስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ግና ተወሳኺ ኢልካ ጥራይ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይመስልን። እዚ ጽሑፍ፡ ንኣግእዞ ትግረ፡ ኣብ ምምስራትን ዕብየትን ሰልፊ ኣል ራቢጣ ኣል ኢስላሚያን ብመንገዲ እቲ ሰልፊ’ዚ ድማ፡ ነቲ ናይ ናጽነት ወገን ዝሃቦ ደገፍ ብምብራህ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ማሕበራዊ ምንቅስቓስን ሃገራዊ ቓልስን ዝነበረ ጥቡቕ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዘየሻሙ መንገዲ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ። ምስ ምስኣን እኹል ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል፡ ጸሓፊ ነዚ ምትእስሳር’ዚ ኣብ ኣይንፋላለ (2001) ብዙሕ ዝደፍኣሉ ኣይመስልን። ተወሳኺ ታሪኻውን ሕብረተሰባውን ምርምር ምስ ዝካየደሉ፡ ኣብ መንጎ መግዛእቲ ዝደፍኦም ማሕበራዊ ለውጥታትን እቶም ለውጥታት ተመሊሶም ንጸረ-መግዛእታዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ምፍጣር ዘበርከቱዎ ግደን መርኣያ ዝኸውን ብዙሕ ትምህርቲ ዝቕሰሞ ዛንታ ኽረከቦ እዩ። ድሮ’ውን፡ ኤርትራዊ ተመራማሪ ፉኣድ መኪ ኣብቲ፡ “Subaltern agency and nationalist commitment: the dialectic of social and national emancipation in colonial Eritrea” ዘርእስቱ ምርምራዊ ዓንቀጹ፡ ነዚ ምትእስሳር’ዚ ብምድህሳስ፡ ሕጽረት ታሪኻዊ ምርምር ንናይ መጽናዕቱ ስፍሓት ከም ዝደረተ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ናይ ትሬቫስኪስ ሰነድ ኣብዚ ዓውዲ ንዘሎ ናይ ምርምር ዕድል ኣጸቢቑ ዘስፍሕ ይመስለኒ።
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ርእይቶይ ንሓደ መአረምታ ዘድልዮ ተክኒካዊ ጉድለት ዝርኢ እዩ። ኣብ ገለ ምዕራፋት ዝርከብ ገለ እግረ-ጽሑፍ ምስቲ ንዕኡ ዝምልከት ጥቕሲ ኣይገጥምን። እዚ ጸገም’ዚ፡ ኣብ ገለኡ ብሰንኪ ዝላ ዝተፈጥረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ገለ ድማ ሓደ እግረ-ጽሑፍ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ኻልእ እግረ-ጽሑፍ ዝገብሮ ስግረ-ወኸሳ (cross-reference) ጌጋ ቍጽሪ ገጽ ይህብ ምዃኑ እዩ። እዚ’ውን ብሰንኪ ነቲ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታ ዝተገብረሉ ምስብሳብ ገጻት ዘስዓበ ይመስል። እዚ ዀይኑ’ቲ፡ እዚ መጽሓፍ ንኻልእ ምርምራት ከም ካልኣዊ ምንጪ (secondary source) ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ስለ ዝህሉዎ፡ እዚ ኣብዚ መዳይ ዝተፈጥረ ተክኒካዊ ሃጓፍ ኣብ ካልኣይ ሕታም ክእረም እላቦ።
ኣብ መወዳእታ ንጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ ነዚ ዕስራ ዓመታት ዝወሰደ ደርማስ ውጥን ብዓወት ኣብ መፈጸምታኡ ኸብጸሖ ብምብቅዑ ዮሃና እብሎ። ህይወት ኣለምሰገድ ብገድላዊ ተመኵሮ፡ ብልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ዘየቋርጽ ምሁራዊ ፍረን ዝደመቐ እዩ። ንስለዚ ኣብ ሓደ ዕድመ ወድሰብ እንታይ ክሳለጥ ከም ዝኽእል ዘርኣየ ንዓይን መዛኖይን ዓብይ ኣብነት ዝኸውንን ድርኺት ዝፈጥርን ሃብታም ታሪኽ ህይወት ድማ የቐንየልና እብሎ። መጻእቲ ወለዶ ድማ ኣብ ምርምራቶምን ድርኺታቶምን ከም ዝዝክርዎ ኣይጠራጠርን።