Book Reviews/ገምጋም መጽሓፍ(ኣሕተምቲ ሕድሪ)
ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956-1962
ገምጋም መጽሓፍ ኣምባ/ ዓብዱ ሄጂ ecssheggi@gmail.com
• ምስ ተመራማሪ ታሪኽን ደራሲን ብጻይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ድሕሪ ነዊሕ ኣብ ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ፡ ብዛዕባ መጽሓፉ ሓቲተዩ ። ከም ዝተወደእትን ኣድላይ ስእልታት ምስ መረጸላ ንሕትመት ክትቀርብ ምዃና ሓቢሩኒ ። ኣስዒቡ፡ “ነዛ መጽሓፍ ክህይሱ ካብ ዝሓሰብክዎም ሰባት ሓደ ንስኻ ኢኻ ፡ ፍቓደኛ እንተኾንካ ነታ መጽሓፍ ኣብ ፍላሽ ክህበካ” ኢሉኒ ። ንትጽቢቱ እበቅዕዶኾን ብምባል ስክፍታ’ኳ እንተነበረኒ ፡ ብኽብሪ ግን ተቐቢለዮ ። እነሆ ሎሚ እታ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣብ ስነ-ስርዓት መመርቕታ ብጺሓ’ላ። ንደራሲን በዓልቲ ቤቱ ብጸይቲ ኣብረሀት ሃይለን ወዱ ማትያስ ኣለምሰገድን ከምኡ’ውን ንኾሎም እቶም እዛ መጽሓፍ በርሃን ክትርኢ ዝተሓጋገዙ ፡ ብፍላይ ድማ ንማእከል ምርምርን ስነዳን ፡ ኣሕተምቲ ሕድርን ዮሃና እብል። ብወገነይ ደማ ፡ ብዛዕባኣ ዘለኒ ርእይቶን ትዕዝብትን ሒዘ ቀሪበ’ለኹ። ከምቲ ድራሲ ዝሓሰቦን ዝጽበዮን ከኽወን ድማ ተስፋ እገብር።
• ብሕጸር ዝበለ ፡ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ካብ ፈደራሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን” ኣብ ግዜ ፈደረሽን ካብ 1956 ጀሚሩ ክሳብ 1962 ዝነበረ ኩነታትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ቆይሙ ዝነበረ ስርዓት ፈደረሽን ከመይ ይሰርሕ ከምዝነበረን ፡ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝፈረሰን፡ ከምኡ’ውን ምጅማር ብረታዊ ቓልሲን ዝነበሩ ማሕለኻታትን ብዶሆታትን ትትርኸልና። እዛ መጽሓፍ ፡ 743 ገጻት ዘለዋ ፡ ኣብ 26 ምዕራፋት ዝተኸፍለት ፡ ኣስታት 150 ኣሳእል እትሓቁፍ ኢያ ። ኣብ ከርሳ ዘሎ ሓበሬታ ኣዚዩ ብዙሕን ፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲን ኢዩ። ብቐጻሊ ድማ ኢዩ ዝፍልፍልን ዝዛሪን ። ደራሲ፡ በቲ ዝወንኖ ዓቕምን ብፈጣሪ ዝተዓደሎ ተውህቦን ፡ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ነፍስወከፍ ገጻ ከም ዘርኢ ኢዩ ዝንስንሶ ። ነቲ ዝነስነሶ ድማ ተመሊሱ ኣብተን ዳሕረዎት ምዕራፋት ፡ በቲ ወናም ብርዑ ይኹስኩሶ ፡ በቲ ርጡብን ልዙብን ቋንቁኡ ድማ የልመዖ።
• ኣብዛ መጽሓፍ ዘለዉ ፍጻሜታት ኣዚዮም ብዙሓትን ዝርዝራዊን ኢዮም ። ብወገነይ ፡ ነቶም ፍጻሜታትን ፈጸምቶምን ፡ ንቦታን ዕለተ ፍጻሜን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊኣ ክህሉ ዝኽእል ሃናጺ ነቐፈታ ንጎድኒ ገዲፈ ፡ ኣብቲ ዓቢ ስእሊን ፡ ኣብቶም እታ መጽሓፍ እተልዕሎም ቀንዲን ዓበይቲን ጉዳያት ማለት (issues) ብምትኳር ዝተማሃርክዎን ዝቐሰምክዎን ከካፍለኩም ክፍትን ኢየ ። ደራሲ፡ እቶም ዘልዕሎም ጉዳያት ንኹሎም ወገናት ዝእንግዱ ፣ እቶም ብጥንቃቐ ዝህቦም መደምደምታታት ድማ ኣብ ጭብጥታት ዝተሞርኮሱን ሚዛን ዝሓለዉን ምእንቲ ክኾኑ ብዙሕ ኢዩ ጺዒሩ ። እዚ ድማ፡ ሓደ ካብቲ ብሉጽነት ናይዛ መጽሓፍ እዩ ክብል እደፍር ። ደራሲ ነዚ ኣመልኪቱ ፡ ኣብ መቕድም ናይታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ “ኣይንፈላለ”ውን ኣተንቢሁ ኔሩ ኢዩ። እጠቅስ፡
“ታሪኽ (ይብል ኣለምሰገድ ተስፋይ) ጽቡቕን ሕማቕን ተባሂሉ ብንጹር ሕንጻጻት ክፍለ ዝከኣል ኣይኮነን ። ሓደ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐርብ ጭብጥታት ወገን ከይፈለየን ብስምዒት ጥራይ ከይተመርሐን፡ ከከም ኣመጻጽኡ ክርእዮን ክምርምሮን ግቡእን ሓላፍነትን እዩ”
• ደራሲ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይዛ መጽሓፍ’ውን ካብዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኣይወጸን ። ነቶም ዝነበሩ ፍጻሜታት ከከም ኣመጻጽኦምን ኣፈጻጽማኦም ጌሩ ኢዩ ክምርምሮም ፈቲኑ። እዚ ንምግባር ፡ ብዙሓት ኣብ ወሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ስነዳትን መጻሕፍትን ከም ዝተወከሰ ፡ ምስቶም ኣብቲ ህሞት ዝነበሩ’ሞ ብኣሉታ ይኹን ብኣውንታ ዝተዋስኡ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ቃል-መጠይቓት ከም ዝገበረ ፡ ንኻልኦት ብርክት ዝበሉ’ውን ከም ዘዛረበ ክንግዘብ ንኽእል ። ብሓፈሻ ፡ ዝተጠቕመሎም ምንጭታት ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ማለት (diversified) ብምዃኖም ንምጉት ደራሲ ኣደልዲሎም ፣ ነታ መጽሓፍ ድማ ርዝነትን ክብደትን ዘለዋ ሰነድ ክትከወን ኣብቂዖማ ኣለዉ።
• ኣብ ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ ክንኣቱ ከለና ፡ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ቀንዲ ተዋሳእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራን ቃልሱን ብሓደ ወገን ፡ መግዛእቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱ ዝኾኑ እንግሊዝን ኣሜሪካን ካኣ በቲ ኻልእ ወገን ኢዮም ። ብሕጽር ዝበለ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንልዕልና ሕግን ከም ዝተቓለሰ፡ መግዛእቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ድማ ፈደረሽን ኣፍሪስካ ኤርትራ ንምግጐባጥ ከም ዝጻዓሩ ትትርኸልና ። ኣብቲ ዓሰርተ ዓመታት ዝወሰደ ቁሩቁስ ፡ ኢትዮጲያን መሻርኽታን ፡ ንኤርትራ ጎቢጦም ኣካል ኢትዮጲያ ከም ዝገበሩ ተዘንትወልና ። ደራሲ ፡ እቲ ጎበጣ ከመይ ከም ዝተፈጸመ፡ ተቓዉሞ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ከም ዝነበረ ፡ ጸላእትና ዝተጠቕሙሉ ስትራተጂን ሜላን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸምዎ በደላትን ግፍዕታትን ብሰነዳት ኣሰኒዩ ይትርኸልና። ነቲ ንሱ ዝበጽሖ መረዳእታ ድማ ፡ ብዝካኣሎ ሚዛን ሓሊዩ ኣብዛ መጽሓፍ ኣስፊሩ የካፍለና ። ደራሲ ፡ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ታሪኻዊ ሓቅታት (ኣወንታ ይኹኑ ኣሉታ) ዋላ ግዜ እንተሓለፎም ክጉሰዩ ከም ዘይብሎም ፡ ክስገሩ’ውን ከም ዘይግባእ የስምረሉ ።
• ኣስዒቡ ፡ ብዛዕባ ሰላማዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣመዓባብሉኡን ኢዩ ዘዘንትወልና ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ድሕረትን ትሑት ሃገራዊ ንቕሓትን ኣብ ግምት ብምእታው ካኣ ኢዩ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ክትንትን ዝፍትን ። ሰላማዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ከም ዝጀመረ ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁ ከም ዝማዕበለ ፡ ትሕዝትኡን ኣካይድኡን ፡ ዘጋጠምዎ ባዕላዊ መስናኽላትን ድኽመታትን ፡ ዝተጻወሮ መግዛኣታዊ በደልን ጭቆናን ይሕብረና ። ምስ’ዚ ኣዛሚዱ ከኣ ፡ ንመስል ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሱ ሰልፍታትን ዉድባት ከም ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ፡ ኤርትራ ንኤርትራዊያን ፡ ሓረካ ወይ ማሕበር ሸውዓተ ፣ ኣድማ ሰራሕተኛታት ፡ ሾብሮ ተማሃሮን ካልእን …. ብውልቂን ብሓባርን ዝካየዱ ዝነበሩ ተቓዉሞታት ይዝርዝረልና ። ብኣጠቓላሊ ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ፡ ብወልቂ ይኹን ብሓባር ሓያል ቃልሲ ከም ዝተኻየደ ፡ ቀሊል ዘይኮነ መስዋእቲ’ውን ከም ዝተኸፍለ የረዳእና ። እቲ ቃልሲ፡ ክዕወት ወይ ከድምዕ ዘይምኽኣሉ ፡ ምስቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ጸላእትን ዝነበረ ሚዛን ሓይሊ ተዛሚዱ ክረእ ኣለዎ ኢሉ ድማ ይምጉት ። ብዛዕብ’ቶም ዝተኻየዱ ሰላማዊ ቃልስታት ክድምድም ከሎ ድማ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1991 ዝተጎናጸፎ ናጽነት፡ ድምር ወይ ውጽኢት ናይቶም ካብ 40ታት ጀሚሮም ክሳብ 91 ዝቐጸሎ ሰላማውን ብረታውን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾኑ የረድእ ። ኣብ ምዕራፍ 21 ገጽ 468 ድራሲ ከምዚ ይብል፥
“ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ድምር ተመኰሮ ሓረካን ካልኦትን ፡ ተ.ሓ.ኤ.ን፡ ህ.ግ.ሓ.ኤን ኢዩ ። እዚ ተፈላሊዩን ተበታቲኹን ክረአ ኣይግባእን ። ከም ሓደ ጥሙርን ኣገዳስን ኣካል ሃገራዊ ታሪኽ ተወሲዱ ፡ በብኣብርክቶኡ በብእወታኡን በብድኽመቱን ክግለጽ ከሎ ጥራይ እዩ ንወለዶታት ዘገልግል ሓያል ተመኰሮን ዉርሻን ዘተሓላልፍ”