Book Reviews/ገምጋም መጽሓፍ(ኣሕተምቲ ሕድሪ)

ጦብላሕታዊ ገምጋም መጽሓፍ፡ መግዛእቲ ሲኞራ

ደራሲ፡ ገብረእዚኣብሄር ገብረመስቀል
ኣሕታሚ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ
ቀዳማይ ሕታም፡ 1984 ሽወደን (ብኢድ ኣቶ ኣዲ ገብረ እተጻሕፈት)
ካልኣይ ሕታም፡ 2016፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ኣስመራ፡ ኤርትራ
ኣቕራቢ፡ ግርማይ ኣብርሃም

መእተዊ

መግዛእቲ ሲኞራ፡ ዛንታ ናይ ሓደ ኣብ ሰማንያታት ናብ ዓዲ ጥልያን ዝተሰደደ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል ዝተባህለ መንእሰይን ካልኦት ኣብቲ እዋን’ቲ ናይ ዝተሰዱ ኤርትራውያንንዘካተተት መጽሓፍ’ያ። መጽሓፍ መግዛእቲ ሲኞራ፡ጸሓፊን ካልኦት ደቂ ሃገሩን እንተስ ብሕሰም ናብራ፡ ብስርጸት ዕላላት ወይ’ውን ምረት መግዛእቲን ንሱ ዘስዓቦ ሓጎጽጎጽ ናብራን ናብ ስደት ድሕሪ ምምራሕ ይሓልምዎ ንዝነበሩን ዘጓነፎም ዘይሓሰብዎ ክውንነትን እናዛመደት፡ ብመልክዕ ዋዛን ቍምነገርን እተዘንቱ መጽሓፍ’ያ።
ጸሓፍን በዓል ውዕለት ዛንታ ስደትን ዝዀነ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል፡ገና ካብ ካይሮ ክብገስ ከሎ ንዘጋጠሞ ፍጻመታት እናመዝገበ ክሳብ’ታ ካብ ዓዲ ጥልያን ወጺኡ ዕድሉ ከናዲ ዝሓሸ ናብ ዝበሎ ካልእ ገጽ ስደት ዘምርሕ ብዘይ ስክፍታ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ሕልሚ ደቀንስትዮን ክርከብ ይኽእል ኢሉ ንዝሓሰቦ ዘይተኣደነ ገንዘብን ኣብ ኣእምሮኡ እናመላለሰ፡ ጕዕዞ ናብ ሮማ ዝተተሓሓዞ ገብረእግዚኣብሄር፡ ገና ዘይነቐጸት ካምቻኡ ኣብ ዝባኑ ለቢሱ’ዩ ኣብ ነፋሪት ተሳፊሩ። ሽዑ’ዩ እምበኣር ኣብ ጕዳይ መንነቱ፡ ካብኡ ብዘይሕሹ፡ ናብራ እንተሰመረሎም ናብ ስደት የምርሑ ብዝነበሩ፡ ተፈጥሮ ብዝመጠወሎም ሕብሪ ቁርበቶም ጥራሕ ዝንየቱ፡ ዓሌታዊ ኣረኣእያ ብዝነበሮም ኣዕራብ መጓዕዝቱ ክብዳህ ዝጀመረ። ሮማ ምስ ኣተወ ኸኣ ዘይከም ትጽቢቱ፡ ኣብ ማእከል ጫውጫውታ ክጽምዎን ብጥሜት ክኹምተርንብቍሪ ክሕለብን ግዜ ኣይወሰደሉን። ዝልምኑ ጥልያን፡ ቀንጠመንጢ ኣቝሑ ዝሸጡ ቤላ ሮባ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ሮማ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንገዛእ ርእሱ ከጣይቓ’ዩ ጀሚሩ። ገዚፍ ሕልሚ ጸይሩ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተወ ገብረእግዚኣብሄር እምበኣር፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዝሃነጾ ሓሳባዊ ዓለመ-ጥልያን በብቕሩብ ክፈርስ ተፈለጦ።
ከብዱ ከዐንግል፡ ማሚቑ ክድቅስ ስለ ዝነበሮ ስራሕ ከናዲ ነይሩዎ። እንተዀነ ቀሊል ብድሆ ኣይነበረን። ኣብታ ናይ ግሽነት ዓለሙ፡ ኣማዕድዩ ብሕብሪ ቆርበቶም ከለልዮም ንዝኽእል ደቂ ሃገሩ ጥራይ ከናዲ ነይሩዎ። ክሳብ ዝዀነ ዝኸውን ከኣ ንቫጎነ ከም መረባዓቱ ወሲዱ ኣብ ዝወዓለ ውዒሉ ኣብኣ ክሓድር ጀመረ። ኣብ ገጽ 22 ናይዛ መጽሓፍ ገብረእግዚኣብሄር፡ ከምዚ ክብል ኣስፊሩ ኣሎ፡
“ሕጂ ዓዲ ጥልያን ከም ዘለኹ ብሓቂ ኣመንኩ። እቲ ኣብ ዓዲ ኴንና ንሰምዖ ዝነበርና ኩሉ ከንቱ ምዃን ተረዲአ ስደት፡ ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ዕርቂ፡ መከራ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ተቐቢለ፡ ካብዚ ዝኸፍእ’ውን ክገጥመኒ ምዃኑ ብምጽባይ፡ ናብታ ባር ሓበሻ (ባር ዊስኪ) ተመለስኩ።”
ብሓቂ ኸኣ ብድሕሪኡ ጽቡቕ ዝበሃል ኣይገጠሞን። ኣርእስቲ ናይዛ መጽሓፍ ከም ዘመልክቶ’ውን፡ መግዛእቲ ስኞራ ጥራይ ዘይኰነስ መግዛእቲ ሲኞራታት ከም ሕሱም በዲሁዎ’ዩ። ገብረእግዚኣብሄር ብቐሊሉ ዘይጸዓድ፡ ደኒንካ ምኻድ ዘይናቱ ምስ ምንባሩ ግና መግዛእቲ ሲኞራታት ዝያዳ ፈቲኑዎ’ዩ።
ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናቐያየረ፡ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለያ ሲኞራታት ድሕሪ ምኽዳም ከኣ፡ ዕድሉ ክፍትን ናበይ ከይሓበረ ስደቱ ከም ዝቐጸሉ የዘንቱ።

ሓፈሻዊ ጦብላሕታ

መጽሓፍ መግዛእቲ ሲኞራ፡ ብዘይ ታህዲድ እኳ ደኣ ብትሕትና፡ ሰመም ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ከም ዝጽንብረካ ውሕጅ ሒዛትኒ ተመርቂፋ’ያ። ብግሩህን ጭርቃን ብዝተሓወሶን ኣገባብ ነጻ ኰይኑ ንዘጋጠሞ ጐፍታታት ህይወት ከም ዘለዎ፡ ብዘይ ክውልውል ስለ ዘቐመጦ ኸኣ፡ ደለይቲ ክቱር ጽባቐ ስነ-ጽሑፍ፡“ኣበይ ኣለኻ?” ኢሎም እንተዝሓትዎ፡ ከም ኣዳም ቈጽሊ ሽምጢጡ ሕፍረቱ ከይከወለ ብዙሕ ሰብ ንኽብሎ ትብዓት ንዘይብሉ ሓቂ ንጸሓይ ዘግሃደ ጻድቕ ስነ-ጽሑፍ ኰይኑ ምጸንሐ።
ሓደ ካብቲ ነዛ መጽሓፍ መሳጢትን ተኣማንነት ዘለዋን ዝገበራ ረቛሒ፡ ጸሓፊ ዛንታ ንገዛእ ርእሱ ከይተረፈ ዝጨርቀላን ብተግባራቱ ዝስሕቕን ሰብ ብምዃኑ’ዩ። በዚ ኸኣ ዋላ’ውን ብዛዕባ ካልኦት ክጽሕፍ ከሎ፡ ብዘይ ስክፍታ ዝተራእዮን ዝተሰምዖን ከም ዘለዎ ከንብሮ ትብዓት ኣውሂቡዎ’ዩ። ንሓያሎ ካባና ጽዩፍ ኰይኑ ዝስምዓና ቃላት ብዘይ ሕንኪ ኣቐሚጡዎ’ዩ። ነቲ ሓቀኛ ሰብኣዊ ባህርና ዝገልጽ ምስ ምዃኑ ኸኣ ነታ መጽሓፍ ተፈታዊትን ተነባቢትን ክትከውን ኣኽኢሉዋ’ዩ።


ብዙሕ ሰብ ግርህነት ኣይፈቱን’ዩ። እንታይ ይዕለል እንታይ’ከ ይምስጠር ስለ ዘይፈልጥ ከኣ ቍስሉ ሓቢኡ ዝነብር ብዙሕ’ዩ። ካልኦት ቍስሎም ሓቢኦም ክኸዱ ስለ ዘተባብዕ ድማ ቈሳላት ካብ ምብዛሕ ከይተናገፍካ ክትነብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገጻት 60 ከምኡ’ውን 93 ናይዛ መጽሓፍ ከንብብ ከለኹ፡ ከምዛ ናይ ገብረእግዚኣብሄር፡ ነጻ ኰይኑ ብዛዕባ ዝሓጸቦ ወይ’ውን ዝሓጸበቶ ብቐልቀል ዝተጸያየቐ ግዕዘይ ኮስትሞታት ናይ ሲኞራታት ከዕልል ዝኽእል ክንደይ ክህሉ ይኽእል ኢለ ሓሲበ። እዚ ኪኖ’ቲ ጽላሎት ኬድካ ዝርከብ ክውንነት’ዩ።


ዓቢ ደራሲ በየነ ሃይለ ኣብ ድሕረ ዛንታ ናይዛ መጽሓፍ ምስ ካብ ጎቦታትት እምባትካላ ክወጽኡ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ፈላስፋታት እናተኣሳሰረ ብዛዕባ በዓቲ ፕላቶ ጽሒፉ ኣሎ። ድሒረ ነታ ብallegory of the cave እትፍለጥ ዛንታ ምስ ኣንበብኩዋ፡ ገብረእግዚኣብሄር ማሕዩር በቲኹ፡ ብርሃን ምስ ረኣየ ነቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ጸልማቶም ከርኢ ብርዑ ዘዋደደ ሓላፍነታውን ነጻን ሰብ ኰይኑ ረኺበዮ። ብፍላይ’ኳ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ውልቀ-ስደተኛታት ኣብ ስደት ብዙሕ ዘይተጻሕፈ ምስ ምዃኑነዛ ቅድሚ 33 ዓመት ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ክብሪ የውህባ’ዩ።


ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብ መቕድም መጽሓፉ ገሊጹዎ ከም ዘሎ፡ ዕላማኡ ኣብ መስርዕ ደረስቲ ክኣቱ ወይ ክኢላ ኰይኑ ንምርካብ ከም ዘይኰነ ጠቒሱ ኣሎ። ኪኖ’ዚ ዘይዕግበት ከይዱ እንተ ዝጽሕፍ’ከ ከመይ ዝበለ ጽሑፍ መበርከተልና ዘብል ሕቶ የለዓዕለልካ። ምኽንያቱ ጽባቐን መሳጥነትን ዛንታ መጽሓፍ መግዛእቲ ሲኞራ ፍጹም ክከሓድ ዘይከኣል’ዩ። እተቐምጦ ፍርዲ ወይ ግሁድ ስብከት ዓይነት ትምህርቲ የብላን። ጥበብ ብዝተሓወሶ መገዲ፡ ኣንበብቲ ብገዛእ ስእለ ኣእምሮኦም ገለ ከይሓዙ ዘይትሰድድ መጽሓፍ እያ።
ኣብዛ መጽሓፍ፡ ምረት ስደት ምስ ኩሉ ዘጋጥም ዓሌታዊ ኣድልዎ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት፡ ቍጠባዊ ጸገም፡ ብድሆ መሃይም ኴንካ ኣብ ስደት ምንባር፡ ባህሪ ምስሉይነት ደቂ ሰብ፡ ፍቕሪ ሓድሕድ ስደተኛታት፡ ጽልዋ መዛኑ ዝፈጥሮ ዘይገሃድ ሕልሚ፡ ድልያ ውልቃዊ ሓርነትን ካልእን ተጠቓሊሉ ይርከብ።
ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ ገብረእግዚኣብሄር ገና ኣብ ነፋሪት ከሎ’ዩ ናጽነቱ ኣብ ፈተነ ዝኣትው። እቶም መሳፍርቱ ኣዕራብ፡ ኤርትራዊ ምዃኑ ምስ ነገሮም ዓረባዊ ምዃኑ ከረድእዎ ህርድግ ምባሎምን መንነቱ ክውስኑሉ ክታረኽዎ ከለዉን ንርኢ። ኣብ እንዳ ሲኞራ ስራሕ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ ሲኞራ ስሙ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል ምዃኑ ይነግራ። ይትረፍ ስሙን ስም ኣቦኡን ስሙ’ኳ ዝኸበዳ ጥልያን፡ ሓድሽ ስም ብምጥማቕ ድሮ ኣብ ናጽነቱ ጣልቃ ክትኣቱ ንርኢ። እንተዀነ፡ ናብራ ደኣ ሓሲሙዎ’ምበር፡ ገብረእግዚኣብሄር ስሙ ናብ ገብሪኤለ ክትቅየር ፍጹም ተዋሒጥሉ ኣይፈልጥን’ዩ። ብዙሕ እዋን ከኣ በቲ ሓቀኛ ስሙ ክጽዋዕ ክደልን ክታረኽን ንርእዮ።
ደራሲ በየነ ሃይለ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ክብል ኣስፊሩ ኣሎ፡ “ገብረእግዚኣብሄር ብዙሕ ግዜ ብግጉይ ኣጸዋውዓን ኣዳምጻን ስሙ ከም ዝዀረየ እታ ምቅርቲ መጽሓፉ ተዘንቱ’ያ። ንመንነትና ዝፈታተን ናይ ጸልማት ሓይሊ፡ ብኣሰያይማ ሰብኣውነትና እዩ ዝጅምር፡” ይብል።
ኣብቲ ምውልዋል ገዛ፡ ምሕጻብ ሽቓቕ፡ ምስትራር፡ ምኽሻንን ካልእን ዝነበሮ ኣድካሚ ስራሕ ገዛ፡ ሓንቲ ዝነበረቶ ናጽነት፡ ምሕሳብ ጥራይ ነበረት። በቃ ይሓስብ ጥራይ! ንሓንሳብ ይደኪ፡ ንሓንሳብ ይህብትም፡ ንሓንሳብ ብዛዕባ ቤተሰብ ንሓንሳብ ብዛዕባ ዓዲ፡ በዋልድ ብገንዘብ ብኹሉ ይሓስብ። ኣብዛ ሕዛእቱ ክኣቱ ዝኽእል ከኣ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።
ስደት ናብ ምዕቡል ዓለም ምስ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ዛንታ ኣተሓሕዛ ሲኞሪናታት ክትርእዮ ከለኻ፡ ምዕባለ እንታይ ማለት’ዩ ንዝብል ሰብኣዊ ሕቶ የለዓዕለልካ’ዩ። ሰባት ብቴክኖሎጂ ስለ ዝሰጐሙ፡ እግሮም ኣብ ወርሒ ስለ ዘንበሩ ማዕቢሎም ክበሃል ይከኣልዶ? ብፍላይ’ኳ እዚ ቅድሚ ሰላሳን ሰለስተን ዓመታት ዝተጻሕፈ ዛንታ ብዝበኣሰ መልክዑ ክቕጽል ክትርእዮ ከለኻ ዘየተሓሳስብ ኣይኰነን።
ብዘይካ’ቲ ኣብቲ መጽሓፍ ብንጹር ሰፊሩ ዝርከብ ግዝኣት ሲኞራታት፡ ንገዛእ ርእሰን ዝወረሰን ወይ ዝሰረጸን ገዛኢ ናይ ምዃን መንፈስ’ውን ግሁድ’ዩ። ካፖትካ ሰራሕተኛ ገዛ ካብ ዝባንካ ኣልዒሉ ክሰቕለልካ ምሕሳብ፡ ኮስትሞኻ ወዲ ተባዕታይ ሰራሕተኛ ክሓጽበልካ ምጽባይ፡ ጥዑያት ኣእዳው ከለካ ንኽትድቅስ ኮቦርታኻ ሰራሕተኛ ክግንጽለልካ ምድላይ፡ “ብዙሕ ጸላም ዘይኰነት ሰራሕተኛ ኣምጽኣለይ” ኢልካ ምሕታት ገለ ካብቶም መግዛእቲ ጥራይ ኢልካ ክትሓልፎም ዘጸግሙ ዘስደምሙ ትእዛዛት ሲኞራታት’ዩ። ልምዲ ገዛኢ ምዃን ክሳብ ክንደይ ከሻድነካን ክሳብ ክንደይ ብገዛእ ሃብትኻን ሓይልኻን ናብ ፍጹም ልምሰት ከእትወካ ይኽእልን ኣብዛ መጽሓፍ ተንጸባሪቑ ኣሎ።

ገለ ካብቲ መርመም ዝዀነ ትእዛዛትን ገብረእግዚኣብሄር ዝተማጐተላን ካብ ገጽ 72 ናይዛ መጽሓፍ ምስ እንርኢ፡

“ነዛ ኮፖት ምውጻእን ምእታውን ከይገብራ መደብኩ። ሲኞራ(ዓባይ) ከም ቀደማ ጭር ኣበለት’ሞ፡ ከፊተያ ናብ ክሽነ ገጸይ ከድኩ።
‘ስለምንታይ ካፖተይ ዘይትቕበለኒ?’ በለትኒ ደድሕረይ ስዒባ።
‘ሲኞራ፡ ክልተ ኢድ ኣሎኪ፣ ናይ ባርነት ግዜ ሓሊፉ’ዩ፡’ በልኩዋ ሕርቕ ኢለ።
‘ኣነ’ኮ ባርያ ኢኻ ኣይበልኩኻን፣ ንባርያ ደሞዝ ኣይትኸፍሎን ኢኻ።’
‘ዋላ ገንዘብ እከፈል’ምበር፡ እዚ ባርነት’ዩ።’
‘ዝዀነ ዀይኑ ኣነ ከም ባርነት ስለ ዘይሓስቦ፡ እንተገበርካዮ ይሕሸካ።’
‘ስምዒ ሲኞራ፡ በብቕሩብ ናብ ኣካላተይ ሕጸበኒ ከይትበጽሒ ፈሪሐ ኣለኹ። ደሓር ከኣ ከምዚ ዝርእዮ ዘለኹ ንሱ ጥራይ’ዩ ተሪፉኒ ዘሎ’ምበር ሞታንትኽስ እሓጽቦ ኣለኹ።’
ሲኞራ ከምዚ ምስ በልኩዋ በራዕራዕ እናበለት ናብ ክፍላ ኣተወት።”

ገብረእግዚኣብሄር ብሓቂ ተፈቲኑ ደኣ’ምበር ብባህሪኡ ቅንዕ ኢሉ ክኸይድ ዝደሊ፡ ምምስሳል ዘይፈቱ፡ ብዝተኻእለ መጠን ውልቃዊ ሓርነቱ ክሕሉ ዝቃለስ፡ ብድሆ ከጋጥሞ ከሎ ድማ፡ ንነገራት ከየኽበደ ብቐልዲን ጭርቃንን ክሕዞም ዝፍትን ቅኑዕ ጸሓፊ’ዩ። ነዚ ባህሪ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከንጸባርቖ ድማ ንርኢ። ብዙሕ እዋን ንሲኞሪናታት ገጽ ከይሃበ ኣፍ ኣፈን ከስምዐን ንርእዮ ኢና። ስራሕ ጽዒቑዎ ኣብ ረርእሲ ምስ ተደራረቦ፡ “ኣነ’ኳ ካብ ሓጺን ኣይኰንኩን ተሰሪሐ” እናበለ ክምጕት ከሎ ንሰምዖ። ብዘይካ’ዚ ምስ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ዘጋጠሞም ካብ ኣፍ ሞት ዘውጽአ ምጥሓል፡ እታ ተስርሖም ዝነበረት ስኞራ፡ እዚ ኹሉ ኣጋይሽ ክመጽኡኒ እናተጸበኹ፡ እኳ ሓደ ከይተርፈለይሲ ሰለስቲኦም እናበለት ክትዛረብ ምስ ሰምዓ፡ ብቍጠዐ፡ ስራሕ ጠንጢኑ ክኸይድ ከም ዝወሰነ ክገልጸላ ከሎ፡ ከበዶም ዓርኩ፡ ከልቢን ድሙን ዓምኡ ከተዓርቕ ክብል ከልቢ ነኺሱዎቃንዛን ስቓይን ኰይኑ ከብቅዕ፡ ሲኞራ ናይ ከበዶም ቅጭጭ ከይበላ፡ ንድሙ ሕክምና ምውሳዳን ፊቕ ኢላ ምባካያን ከም ዘሕመሞ ክነግራ ከሎ ንርኢ።


ሓደ እዋን ከኣ ኣደይ ውነሽ ዝበሃላ ፈላጢቱ ስራሕ ኣማጺአናሉ። እታ ሲኞራ ስሙ ምስ ሓተተቶ፡ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል ከም ዝበሃል ነገራ። ምትሓዝ ምስ ኣበያ፡ ኣብ ወረቐት ክጽሕፈላ ሓተተቶ። ኩሉ ሙሉ 17 ፊደላት ኰነ። “እዝስ ኮፍ ኢልካ ከተጽንዖ’ምበር፡ ብሓንሳእ ዝከኣል ኣይኰነን፡ ካልእ መጸውዒ ስም የብልካን?”ሓተተቶ።
“የብለይን።”
“እተን ቅድሚ ሕጂ ዘስርሓኻ ዝነበራ እንታይ ኢለን ይጽውዓኻ ነይረን?”
“ከምታ ጽሒፈልኪ ዘለኹ”
“ነዚ ኩሉ ነዊሕ ስም’ዚ ክኢለናኦ?”
“ስኞራ፡ ኣነ ብዓመትን መንፈቕን ጥልያን ክኢለስ፡ መግቢ ምስራሕ’ውን ክኢለ፡ ንሳተን ስመይ ምኽኣል ዝጽግመን እንተዀይኑ ሕሙማት ኽዀና ኣለወን፡” በላ።
ከምዚ ዝኣመስለ ኣፍካ ዘየኽድንን ቅኑዕ ምጕትን ዓይነት ዝርርባት ኣብታ መጽሓፍ መሊኡ’ዩ ዘሎ። ዝያዳ ተፈታዊት ከኣ ይገብራ።
ዋላ’ኳ ምከና ናይዚ ዛንታ ኣብ ዓዲ ጥልያን እንተዀነ፡ ዓማጺን ተዓማጺን፡ ገዛኢን ተገዛኢን ምዃን ዓሌትን መንነትን ዘይፈሊ ሰብኣዊ ባህሪ ምዃኑ ገብረእግዚኣብሄር ባዕሉ ከይበሎ ዛንታኡ ምስክር’ዩ።
ኣብ እዋን ሽግር ደቂ ሓንቲ ሃገር ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ጽቡይ’ኳ እንተዀነ፡ ዝስዕረና ምሳና ዝዓቢ ሰብኣዊ ባህሪ’ውን ኣይሰኣንን’ዩ። ገብረእግዚኣብሄር ምስ መኮንን ብስእነት ስራሕን ጥሜትን ሞይቶም እናሃለዉ፡ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ረኺቡ 5000 ሊረ ይህቦ’ሞ፡ ኣብ ቫጎነ እናሓደርካ ሰሙን ምሉእ ከብድኻ ከዐንግላ ከም ዝኽእላ ብሓጐስ እናዕለሉ፡ ካልእ ንገብረእግዚኣብሄር ዝፈልጦ ሰብ መጺኡ ግድን ኣለቅሓኒ ድሕሪ ሰዓት ኣብዚኣ ክመጽኣካ’የ ኢሉ ብኡ ገይሩ ክሽረብ ንርእዮ።
ሒደትኣንስቲ ተኣኪበን፡ ብዛዕባ ሕሱም ኣተሓሕዛ ስኞራታት ኣብ ልዕሊኤን እናስካሕክሓ ከዕልላ ከለዋ፡ ሓንቲ ካብኣተን ምስ ኣብ ኣስመራ ዘሕለፈቶ ሕሱም ናብራ ክድምና እናዛመደት፡ ዝሓሸ ከም ዝዀነ ክትምጕተን ከላ የርእየና። “ካልእሲ ይትረፍ፡ ጥልያን ደኣ ኣብ መኣዶም ደኣ ኣየቕርቡኻን’ምበር፡ ተረፍ መኣዶም ኣይቅሩቡልናን’ዮም። ኣብ ዓድና ግን ንባዕሎም ደርሆ በሊዖም ሽሮ ፈለኽለኽ ኣቢሎም’ዮም ዝህቡኻ፡” እናበለት ኣፈን ከተትሕዘን ንርኢ። በዚ ኸኣ ኣንባቢ ካብ ዝጸንሖ ስምዒታዊ ኣናብባ፡ ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ከጥሪ የኽእሎ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ጸሓፊ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል ድሕሪ’ታ ብጥሜት ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ዝወደቐላ ዕለት፡ ካብቲ ተዓቚብሉ ዝነበረ ሆቴል ወጺኡ፡ ንሓደ “ሓውና” ዝበሎ፡ ብዛዕባ ናብራ ዓዲ ጥልያን ምስ ሓተቶ ከምዚ ዝስዕብ መልሲ ረኺቡ ነይሩ። “ንሲኞራ ባዕልኻ ርኢኻን ፈቲንካን ከምዚ’ያ ክትብል ደኣ’ምበር፡ ብዛዕባ ሲኞራ ዋላ’ቲ ንፉዕ ዛንታ ናይ ምንጋር ተውህቦ ዘለዎ ነጊሩ ከረድኣካ ዝኽእል ኣይመስለንን።”
ገብረእግዚኣብሄር ሽዑ መጽሓፍ ከሕትም ይሓስብ ነይሩ ኣይነበረን እንድዒ! ንፉዕ ነጋሪ ዛንታ ምዃኑ ግና በቲ ዘሕድረለይ ተምሳጥ ክምስክረሉ እኽእል’የ።
እዚ መጽሓፍ’ዚ ካብ መዝገብ ዕለታዊ ፍጻመታት ጸሓፊ ዝመንጨወ ሓቀኛ ዛንታ’ዩ። ከም ኣመጻጽኣ ፍጻመታቱ ዝትረኽ ምስ ምዃኑ ድማ ኣብ ቴክኒካዊ መዳዩ ኣቲኻ ህየሳ ክትገብረሉ ዘምሕር ኣይመስለንን። ሓይሊ ኣዘናትዋኡን ቋንቋኡን ግና ክትክሕዶ ዘይከኣል ድንቂ’ዩ!
ደራሲ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፍሳፊ መጽሓፍ እንተ ዝደግመናን እንተ ዝስልስነና ክንደይ ጥዑም ምዀነ። ንኣበርክቶኡ ምስጋናይ ልዑል’ዩ!