Book Reviews/ገምጋም መጽሓፍ(ኣሕተምቲ ሕድሪ)

ኣብ መመረቕታ መጽሓፍ ማሕፉዳ ታሪኽ፡

ብኣለምሰገድ ተስፋይ ዝቐረበ ሓጺር ገምጋማዊ መደረ
18 ሰነ 2014፡ እምባ ሶይራ ሆተል


ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ቀረባ ዓመት፡ ሓያለ ንውዕሎ ተጋደልትን ቅያን ዝኽርን ሰማእታትን ዝትርኽ፡ ኣብ ሓቀኛ ፍጻሜታት ዝተመርኰሰ ጽሑፋት ክሕተምን ክንበብን ጸኒሑን ይቕጽልን ኣሎ። ዛጊት ኣብ ውሽጢ ምክልኻል ጥራይ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ፡ ብኮሎኔል ገረዝጊሀር መሓሪ አናተኣከበ ዝሕተም ዘሎ ሽድሽተ ቕጽታት፡ ኣብ ጊዜ ቓልሲ ንወትሃደራዊ ትምህርቲ ክፍሊ ታዕሊም ዝወርዱ ዝነበሩ ምኵራት ተጋደልቲ ባዕሎም ዝጽሕፍዎ ወይ ዘጽሕፍዎ ዝነበሩ ፍሉይ ዝኽርታቶም ስለ ዝሓቍፍ’ሞ፡ ካብ ኢዶም ወይ ካብ ልሳኖም ዝተረኽበ ስለዝኾነ፡ ፍሉይነት ዘሎዎ እዩ። ብዙሓት ካብዚኣቶም ስለ ዝተሰውኡ ድማ፡ ከም ታሪኻዊ ሰነዳት፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኽስራዕ ዝኽእል እዩ።

ዓሚ ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምፍራስ ግንባር ናደው፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንዝኽሪ መበል ሰላሳ ዓመት ምፍራስ እዚ ውቃው፡ ሎሚ ድማ ነዚ ብሓልዮት ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ተሓቲሙ ዘሎ እኩብ ጽሑፋት ንኽንምርቕ በቒዕና ኣሎና።

እዚ፡ ነቲ በብጊዜኡ ታሪኽና ኣይስነድን ዘሎ፡ ብብቕዓት ወይ ብምሉእነት ኣይንገርን ኣሎ…ዝብል ስክፍታ ብመጠኑ ከም ዝምልስ ኣየጠራጥርን። ስለ’ዚ ድማ፡ ነቲ ማሕበርን ነቶም ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ዝኽርታቶም ይኹን ቅያን ቍም ነገርን ብጾቶም ብውሕልነት ተሪኾም ዘሎዉ ጸሓፍቲ፡ እንቋዕ ፍረ ጻዕርኹም ርአኹም ክብሎም እፈቱ። ብፍላይ ነቶም ኣብ መንጎኦም ዘሎዉ፡ ነዚ ዕማም’ዚ ከም መዝነትን ሓላፍነትን ወሲዶም ተደጋጋሚ ልብ ወለዳዊ ይኹን ሓቀኛ ዛንታታት እናሃደኑን እናጽንዑን ናብ ኣንበብቲ ዘብጽሑ ዘሎዉ ውፉያት፡ ፍሉይ ምስጋናን ሞሳን ይግብኦም።

ናብቲ “ታሪኽና ኣይስነድን ዘሎ፡ ኣይንገርን ኣሎ” ዝብል ስክፍታ ኽምለስ። ታሪኽና ብሓቂ ኣይስነድን፡ ኣይንገርን ዲዩ ዘሎ? ብዛዕባ ምስናድ እንተ መጺእና፡ ኩላ’ታ ኣብ ሜዳ ዝተፈጸመት ክትጸሓፍ ኣሎዋ እንተ ዘይ ኢልና፡ እዚ ኸኣ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ንታሪኽ ሰውራ ብብቕዓት ክገልጽ ዝኽእል ሰነዳትስ ኣሎ። ካብ ፖሊትቢሮን ማእከላይ ሽማግለን ጀሚርካ ክሳብ’ታ ዝነኣሰት ኣሃዱ ህዝባዊ ግንባር ጸብጻባ ስለ ዘቕረበት፡ መብዛሕትኡ’ዚ ድማ ተዓቂቡ ስለ ዘሎ፡ እቲ ቐዳማይ ምንጪ ወይ ፕራይመሪ ኤቪደንስ እንብሎ ተኸዚኑ ኣሎ።

ዝኽርታት ተጋደልቲ ድማ፡ እቲ ናይ ጊዜ ሰውራ ኣብ ኣርካይቫት ሚኒስትሪ ዜናን ማእከል ምርምርን ስነዳን፣ እዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ህግደፍ፡ ማ.ም.ስ፡ ሚኒስርቲ ዜና፡ ምስ ውልቀ ሰባትን ምስ’ዘን ታሪኸን ዝእክባ ዘለዋ ዝተፈላለያ ማሕበራት ተጋደልቲ - ጀማሂር፡ መጓዓዝያ፡ ክፍላተ ሰራዊት፡ ወዘተን - ገሊኡ ኣብ ምዝዛም በጺሑ፡ ገሊኡ ተጀሚሩ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ምጅማር ዝርከብ እዩ። ነዚ ደማሚርና ኽንርእዮ ከሎና፡ ከምቲ ንደልዮ ፍጹምነት ኣይህልዎን፡ ፕሮሰስድ ኣይኮነን ይኸውን እምበር፡ “ታሪኽና ኣይተሰነደን” እናበልና ከነስተማስል ዝግብኣና ኣይመስለንን። ርግጽ፡ እቲ ዘሎ ሓበሬታ ክፉትን ተረካብን (ኣክሰሲብል) ክኸውን የድሊ፣ ወሃብቲ ሓበሬታ ግሉጻት ክኾኑ ይግባእ። ብፍላይ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ብዛዕባ ኣጥሊሎም ዝፈልጡዎ ወሳኒ ጕዳያትን ፍጻሜታትን ክዛረቡ ኣይደልዩን እዮም። 40-50 ዓመት ዝገበረ ነገራት፡ ከምዛ ሕጂ ዝኾነት ብጥንቃቐ ናይ ምሓዝ ዝምባሌ ዘለዎም ብጾት ብዙሓት’ዮም። “ሒዝናዮ ኽንቅበር ኢና” እናበሉ፡ ከመይ ዝበለ ታሪኽን ሓበሬታን ሒዞም ዝሓለፉ፡ ንዓይ ንርእሰይ ኣጋጢሞምኒ ኣሎዉ። ተመራመርትን ጸሓፍትን’ውን ናጽነት ሃልዩዎም ናብ ሓቅን ሓቅታትን ንኽቐርቡ ዕድል ክኽፈተሎም የድሊ… ወዘተ። ታሪኽና ኣይተሰነደን ዝብል ድፉን መደምደምታ ግን ምስቲ ኣብ ባይታ እንርእዮ ይሳነ ኣሎ ኣይብልን።

እቲ ታሪኽና ኣይንገርን ኣሎ ዝብልከ ብሓቂ ኸምኡ ድዩ? ይንገርኮ’ሎ። ካብ ናጽነት ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኩሉ ናይ ሚድያ ፈነወታት፡ ንዝተፈላለየ መዳያት ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምዱብን ጊዜያውን ፕሮግራማት ክቃላሕ ጸኒሑ፡ ሕጂ’ውን ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ነፍስ ወከፍ ዓመት፡ ኣብ ዝኽርታት ስርሒት ፈንቅል፡ ቅንያት ናጽነት፡ ቅንያት መዓልቲ ስዉኣትን ምጅማር ብረታዊ ቓልስን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ዝኽሪ ምድምሳስ እዚ ውቃው ወሲኽካ፡ ዘይንዓቕ ታሪኽ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ዛጊት ብዶኩመንታሪ ይኹን ብምውሳእ ፈርዩ ዘሎ ንሰውራ ዝድህስስ ፊልምታት’ውን ዓቕሙ ከበርክት ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ባይታ ዘሎ ኹነታት እዚ እናሃለወ፡ ስለምንታይ ኢና ገና ብታሪኽና ንስከፍ ዘለና? እቲ ዘየዕግበና ዘሎኸ እንታይ እዩ?

ኩሉ መድርኻት ናይ ታሪኽ፡ ምስቲ ጊዜኡ፡ ምስቲ ዝጸልዎ ወይ ዝገዝኦ ውሽጣውን ግዳማውን፡ ወይ ወድዓውን ባዕላውን፡ ሃዋህውን ኵነታትን ብዝሳነ መገዲ እዩ ዝግለጽ። መጻኢ ትውልዲ ነቲ ታሪኽ’ቲ ኸንብቦ እንከሎ፡ ነቲ ዝተጻሕፈሉ እዋን ኣብ ግምት እናእተወን ንነፍሱ ንድሕሪት እናመለሰን እዩ ኽርድኦ ዝፍትን። ንኣብነት፡ ናይ ሰውራ ስነ ጽሑፍ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ወንን ረስንን፡ ጽልእን ንዕቀትን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ፡ ፍናን ተጋደልቲ ክብ ንምባል ዝብሃል ዝነበረ ጐስጓሳዊ ቓላት…ዝተመልአን ዝሃብተመን እዩ ነይሩ። ተጋዳላይን ተጋዳሊትን በቲ ዝለዓለን ዝዓዘዘን ጫፍ ናይቲ ተጋደልቲ ክበጽሑዎ ዝኽእሉ ደረጃ ተወፋይነት፡ ተጻዋርነት፡ ጅግንነት፡ ድሉውነት ንመስዋእትን ግብራዊ መስዋእትን እዮም ይግለጹ ነይሮም። ጸላኢ ድማ በቲ ዝኸፍአን ከነውሮን ከፈንፍኖን ዝኽእልን ቃላት ክቕባእ ንረብሓ ሰውራ እዩ ነይሩ።ሰውራ ገዲፉ ዝኸደ’ውን ከምኡ፡ ንዕኡ ዝኸውን፡ ካልኦት ተጋደልቲ ኣብነቱ ንኸይስዕቡ ዝከላኸል ናይ ክድዓት፡ ፍርሒ፡ ነፍሰ ፍትወት መግለጽታት ነይሩዎ እዩ። ነቲ ጊዜ’ቲ ዘስርሐ ምኽኑይ ኣገባብ ነይሩ ክንብል ንኽእል - ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ።

ኣብ ሓደ ሓደ ውልቀ ዛንታታታትን ናይ ገለ ጸሓፍቲ ፍሉይነታትን ገዲፍካ፡ ዳርጋ ኹሉ’ቲ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንውዕሎ፡ ቅያ፡ መስዋእቲ፡ ተጻዋርነት፡ ተወፋይነት ተጋደልቲ ዝገልጽ ጽሑፋት፡ ነቲ ትሕዝቶ፡ ቃላት፡ ቅድን ወንን ናይ ሜዳ ስነ ጽሑፍ ክኽተል ንረኽቦ። ነቲ ወኒ፡ ኵነተ ኣእምሮ (ወይ ሙድ) ናይቲ እዋን ክመልሶ ድማ ይጽዕር። ተጋዳላይ ወይ ተጋዳሊት ክብሃል ከሎ፡ ዳርጋ ካብ ሓድሕዱ ዘይፈላለ፣ ሓደ ዝሓስብ፡ ማዕረ ዝብገስ፡ ማዕረ ዝውፈ፡ ማዕረ ዝስዋእ…ጌርና ኢና ንስእሎን ንነብስና’ውን ኣእሚንናያን ዘሎና። ካብዚ ዝቐረጽናዮ፡ ነቶም ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ናይ ንቕሓትን ተወፋይነትን ዝበጽሑ ተጋደልቲ ዝውክል መግለጺ (ከምኦም ከኣ ነይሮምና እዮም) ውጽእ ኢልና ካልእ ዝባህርያቶም ተጋደልቲ ምስ ንመርጽ፡ ብዙሕ ክትዕን ቍጥዐን ከልዓል ንርኢ።

ናይዚ ቐሊል ኣብነት፡ እታ ብኢሳያስ ጸጋይ ዝተደርሰት፡ “ትማሊ” ዘርእስታ ተኸታታሊት ፊልም ዘልዓለቶ ክትዕን ቍጥዐን እዩ። ኣብኡ ዘላ ገጸ ባህርይ፡ ንደቀንስትዮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣይትውክልን እያ…ዝብል ከኣ እዩ’ቲ ምጕት። ግድን ድዩ ንኹለን ደቀንትዮ ኽትውክል? ርግጸኛ እየ፡ ኢሳያስ ንኹለን ተጋደልቲ ኽትውክል ከም ዘይመርጻ። ክትዕ ክህሉ እንተ ኾይኑ፡ “ንኸምኣ ዝመስላ ተጋደልቲ፡ ነይረን’የን ክኣ፡ ወኪላዶ ኣይወከለትን?” ዝብል’ዩ ክኸውን ነይሩዎ። እምበር፡ ንሓደ ደራሲ ውሱናት ገጸ ባህርያት ምሪጽካ በዚአን ጽሓፍ ክትብሎ ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ስነ ጥበብ’ውን ክሃስዮ እዩ። ስነ ጥበብ ብዙጽ ጨናፍርን ብዙጽ ብልሓታትን እዩ ዘለዎ። ጻደ ስነ ጥበበኛ ድማ በቲ ንዕኡ ዝጥዕሞን መልእኽቱ ዘምሓላልፈሉን መገዲ ኽሰርሕ ነጻ ኽግደፍ ኣሎዎ። በትን ታሪኽና ክንገረልና ንደሊ፡ በቲ ድማ ኩሉ ጐደናታት ስነ ጥበብ ዓጺኻ ብሓንቲ ቐጣን መገዲ ኺዱ ምባል ዝክኣል ኣይኮነን።

ናይ ጸላኢ’ውን ከምኡ። ዛህላል፡ ጃጃዊ፡ ዕላማ ዘይብሉ፡ በዳሂ ዘይኮነ…ክኾነልና ንመርጽ ኣብዚ ጽሑፋትና። ግን ብሓቂ፡ ብልሑ፡ ዕላምኡ፡ ትብዓቱ እንተ ገለጽናዶ ኣይኮነን እቲ ንዕኡ ዝሰዓረ ብልሕና፡ ዕላማናን ትብዓትናን ዝያዳ ዝጐልሕ?

ብዛዕባ’ዚ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ 1990ታት፡ ቀኛዝማች ሃይለማርያም ደመና ዝበሉኒ ኣይርስዖን። “ኣብዚ ‘መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት’ ዝብል ዓምዲ ናይ ሓዳስ ኤርትራ እትጽሕፍዋቶ ዘሎኹም ዛንታስ እንታይ እዩ? ዓቕሚ ናይቲ ዝሰዓርኩሞ ጸላኢ ንፈልጦ ኢና። ካብ ኣስመራ ስለ ዝፋኖ፡ ነቲ ኹሉ ሓይሉ፡ ዕጥቁን ብዝሕን እናርአና፡ ‘ጠፍኡ ደቅና’ እናበልና ደጊም ቤተ ክርስትያን እዩ ዝነበረ ምሕዳርና። ኣብዚ ግን፡ ‘ጅግና ተጋዳላይ ቅልቅል ምስ በለ፡ ወዮ በጅባጅ ጸላኢ ጭርኡ ደጒሉ ሃደመ’ እናበልኩም ትጽሕፍዋቶስ እንታይ እዩ? ንሕናስ ጀጋኑ ዝሰዓሩ ጀጋኑ ድኣ በልናኩም እምበር፡ ጭርኡ ደጒሉ ዝሃድም ጸላኢ እዩ ገጢሙኩም ነይሩ? እንታይ ድኣ ወደይ ቀልጢፍኩም ዘይተመለስኩም? ብኸመይ እዩ ሰላሳ ዓመት ወሲዱልኩም? ኣይዘረባን እዙይ፡” ኢሎምኒ መገዶም ቀጺሎም።

ጸገም ስነ ጽሑፍና እምበኣር፡ ንታሪኽና ካብ ሰብኣውነት ወይ ካብ ሰብነት፡ ናይ ሰብ ካብ ምዃን ነርሕቖ ምህላውና እዩ። ርግጽ፡ ስነ ጽሑፍ ብውክልና እዩ ዝሰርሕ - ውክልና ናይ ጠባያት፡ ናይ ገጸ ባህርያት። ኣብ ዝበዝሕ ስነ ጽሑፍና፡ ብምሉኡ’ቲ ተጋዳላይ ዝበሃል፡ ኣብ ሓደ ዝዓይነቱ ሰብ፡ ሓደ ዝዓይነቱ ጅግና፡ ሓደ ዝዓቐኑ ተወፋይነት፡ ሓደ ዝዋጋኡ መስዋእቲ፣ ብተመሳሳሊ ቓላትን መግለጽን ዝቐርብ ሰብ እዩ ዝጠቓለል ዘሎ። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ ዛንታ ሰውራ ኽነንብብ ከለና፡ እንታይ ክብሃል ከም ዝኽእል፡ ወይ ከመይ ዝበለ ቓላት ከም ንጽበ፡ ክንግምት (ፕረዲክት ክንገብር) ኣይጽግመናን። ስነ ጽሑፍ ተለላዪ ወይ ተገማቲ (ፕረዲክታብል) እንተ ኾይኑ፡ሃንደበትነቱ የጥፍእ። ሃንደበትነት ድማ፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጥበብን መሳርሕን ተነባብነት ጽሑፋት እዩ። ጸጸኒሕካ፡ ኣንባባይ ከይታኸሰካ ወይ ናብ ካልእ ከየስግል፡ ሃንቀውታኡን ተገዳስነቱን ንምብርባር እትጥቀመሉ ዓቢ ጥበብ እዩ። ብዙሕ ካብ ጽሑፋትና ነዚ ስለ ዘጥፍእ፡ ኣሰልካይን ዘይተነባብን ናይ ምዃን ተኽእሎኡ እናዓበየ ክኸይድ ግድን እዩ።

እቲ ዘሰክፈና ዘሎ፡ ምንጪ ዘይዕግበትና ኣብ ኣተሓሕዛ ታሪኽ ሰውራ፡ እዚ ወይ ካብዚ ዝነቅል ይመስለኒ። ተጋዳላይ ሓደ ዓይነት ኣይነበረን። በብዓይነቱ እዩ ነይሩ። በብምኽንያቱን በብኣመጻጽኣኡን፡ ምስ ኩሉ’ቲ ዝዓበየሉ ዓዳዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ…ጽልዋታቱ፣ ምስናይ ውልቃዊ ባህግታቱን ትጽቢታቱን፣ ምስ ድኽመታቱ’ውን እዩ ናብ’ቲ ውድብን ዓውደ ቓልስን ተጸንቢሩ። ሰውራ ኽኣ ናቱ ሕግታትን ጠለባትን ሒዙ ስለ ዝጸንሕ፡ ኩሉ ሰብ ተር ኢሉ ብማዕረ፡ ብሓደ ግብረ መልስን ብሓደ ተመኵሮን ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ - ኩሉ ምስ’ቲ ዝተባህለ ውልቀ ባህርያቱ ስለ ዝጕዓዝ። ብዙሕ ነገራት ክጋጨዎን ክገራጨዎን ግድን ስለ ዝኾነ።

ሰውራ ባዕሉ ናይ ግርጭት ቦታ እዩ። ግርጭት ይፈጥሮ፡ ግርጭት የዕብዮ - ብውሽጡ ይኹን ብግዳም። ናብ ተጋደልቲ ምስ ንመጽእ፡ ንሳቶም ባዕሎም ኣብ ግርጭት’ዮም ዝነብሩ፡ ዝዓብዩ። ግርጭት ግን፡ እቲ ኣብ ዝበዝሕ ጽሑፋትና እነተኵረሉ ኣንጻር ጸላኢ ወይ ኣንጻር ጽንኵርነት ባህርይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐዳምነት፡ ግርጭት ምስ ነብሶም፡ ምናልባት እቲ ዝበርትዐ ቓልሲ እዚ እዩ ነይሩ እብል ኣነ። ግርጭት ምስ ብጾቶም፡ ምስ ሓለፍቶም…ዋላ ምስ ውድብ፡ ዋላ ምስ ሰውራ ባዕሉ። ጅግና ንብል ልሙድ ነገር። ጅግና ግን ብኸመይ? ክንደይ መስገደል ሓሊፉ? ክንደይ ረመጽ ረጊጹ፡ ክንደይ ጓህርን ዕረን ውሒጡ ከም ዘይውሓጠ ተሳልዩ? ክንደይ ጊዜ ምስ ብጾቱን ሓለፍቱን ብትሕለፍያ፡ ብዓይኒ መርፍእ ሓሊፉ?

ከርሲ ናይ ገድሊ፡ ሕብርታት ድምቀትን ተጋዳላይን ሰውራን እዚ እዩ። ቅያ ፈጺሞም፡ ንነገራት ናብ ሃገራዊ ረብሓ ቐዪሮም ዝስውኡን ዝስውኣን ጅጋኑ፡ ምስ ኩሉ ውልቃዊ ድኻማቶም፡ ዝተፈትሐን ዘይተፈትሐን ግርጭታቶም፡ ዘይተገልጸ ወይ ዘተወድአ ፍቕሮም፡ ናፍቖት ዝተወልዱን ባህጊ ዘይተወልዱን - ናይ ሓሳባት - ውሉዳቶም፣ ጓሂ እንተ ነይሩዎም ምስ ጓሂኦም፡ ወጽዓን ዕቃበን እንተ ነይሩዎም ምስ ወጽዓኦምን ዕቃቤኦምን…ኮታ፡ በብባህርያቶም ከም ተቐንዛውቲ፡ ተነቀፍቲ፡ ኰረይቲ ልዙባት፡ ሓራቓት ህዱኣት፡ ለባማት ግሩሃት…ሰባት እንተ ተገልጹ እዮም ነባርነት ዝረኽቡ። “ንጅግና ምስ ቃንዝኡን ጾሩን ግለጹዎ። ብዘይ ብኡ፡ ዕብየቱ ክሃስስ እዩ” ኢሉ ሓደ ደራሲ። እዚ ብውሕልነት ምስ ዝግበር’ዩ ምድንጋጽ ናይ ኣንበብትን መጻኢ ትውልድን ዘውሕሱ። እምበር፡ ነቲ ምስ ገድሊ ዝኸይድ ናይ ኲናት፡ ናይ ባህርይ፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ጸቕጥን መጻብቦታትን ከም ዘይሽግርን ከም ዘይጸበባን ዝሰግሩ፡ ዳርጋ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ከም ዝተዓደሉ ፍጡራት ጥራይ ክንስእሎም እንድሕር ኰንና፡ ነቲ ኣንባባይ ክርሕቁዎ እዮም። “ሰብ ከማይስ ነዚ ኹሉ ይጻወር?” ኢሉ ኽንዲ ዝድነቕ፡ “እዚኦምስ ኣብ ገድሊ ጥራይ ዝተራእዩ፡ ዘይድገሙ ፍጥረታት እዮም” ብምባል፡ ኣብ ሰማያትምስ ጻድቃናት ከስፍሮም እዩ። ተጋዳላይ ግን ንመንፈሳዊ ጽድቂ ኣይተሰውአን። ከም ናይ ጅሃድ ንጀና፡ ከም መስቀላውያን ንመንግስተ ሰማያት ኣይተወፈየን። ንሰብኣዊ ረብሓ እዩ። ጸላኢ ስጒ

ርግጽ፡ ኣብ ሰውራ ብዙሕ ተነቃፊ ነገራት ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ መድርኽ ናይ ታሪኽ ተነቃፊ ዝነበረ ጉዳያት፡ ክንደይ ጊዜ ምስ ሓለፈ ኢዩ ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ዝብል ናይ ሕጊ ሕቶ ምህላዉ’ውን ክስሓት የብሉን። ስነ ጽሑፍ፡ ብፍላይ ከኣ ፈጠራውን ልብ ወለዳውን፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ተነቃፍነት’ቲ ናይ ምብልሓት ዕድልን ቦታን ኣሎዎ። ስለ’ዚ፡ ብፍላይ ነዞም ዝዕንብቡ ዘሎዉ ደረስትናን ስነ ጥበበኛታትናን፡ ቍሩብ ክፍትን ዕምቝን ንክብሉ ዕድል ንኽፈተሎም። ትርጉምን መቐረትን ተጋዳላይ ኣብ ውሽጢ ልቡን ኣብ ውሽቲ ኸርሱን ስለ ዝርከብ፡ ናብ ልብናን ከርስናን ነእትዎም።

የቐንየለይ