ቃል ኣሕታሚ – ‘ህያው ደብሪ’

  • Post author:
  • Post category:Blog

ቃል ኣሕታሚ ሎሚ ኣብ ዕዮ ሕትመት ሳሕቲ፡ ኣብ ዕቑዳት ወይ’ውን ወለዶታት ዘጓንፍ ፍሉይ ዕድል በጺሑናስ፡ ሓደ መበቈላዊ ዕዮ ቕንየት ነሕትም ኣሎና። እዚ ኣብ ኢድ ኣንበብቲና ዝበጽሕ ዘሎ ‘ህያው ደብሪ’፡ ብዅሉ…

Continue Readingቃል ኣሕታሚ – ‘ህያው ደብሪ’

ተመኵሮይ ኣብ ምድላው መጽሓፍ ቅንየታት `ህያው ደብሪ`

  • Post author:
  • Post category:Blog

ኤፍረም ሃብተጽዮን ኣብ 2009፡ ብጻይ ዘምህረት ዮውሃንስ ሓንቲ `ዳዕሮና-ሆይ!` ዘርእስታ ብውቍብ ኣጸሓሕፋ ኢድ ዝተጻሕፈት ቅንየት ክርእያን ምስቲ ኣብ ኮምፕዩተር ዝተጻሕፈ ከነጻጽራን ሂቡኒ። እታ ቕንየት፡ ብኹሉ መልክዓ ከምቲ ኣቐዲመ ዝለመድኩዎ ዓይነት…

Continue Readingተመኵሮይ ኣብ ምድላው መጽሓፍ ቅንየታት `ህያው ደብሪ`

ሒደት ብዛዕባ ‘ህያው ደብሪ’

  • Post author:
  • Post category:Blog

እኩብ ቅንየታት ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ 12 ምዕራፋት ዝተጠርነፈ 158 ግጥሚታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ብትሕዝቶኡ ሰፊሕን ዓሚቝን ብቕርጹ ድማ ልሉይን ጽባቐኣውን እዩ። ኣብቶም ግጥሚታት ብጻዕቂ ዝተኸሸኑ ቛንቋኣዊ ባእታታትን ዝዓቘሮም ባህለታትን ትርጓመታትን ከምኡ’ውን፡…

Continue Readingሒደት ብዛዕባ ‘ህያው ደብሪ’

ንባብ ንትሕዝቶ ቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’

  • Post author:
  • Post category:Blog

ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ሕትመት፡ ብ’ህያው ደብሪ’ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ታሪኽ ይፍጸም ኣሎ ክብል ብዘይምምታእ እደፍር። ገምጋማይ ህውኽን ቅድመ-ብሱልን፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ስምዒታዊን ጥምዓዊን ዘዋጊን ኰይኑ፡ ምስ ግዜ መስሓቄን ዝገብረኒ ዓሻ ድፍረት ከይከውን ስክፍታ የብለይን። በናብባይ ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ ስነጽሑፍ ግጥሚ ኤርትራ ብርቂ መጽሓፍ፡ ሓድሽ እምነ-መኣዝን ዘንብር መበቆላዊ ዕዮ እዩ። ደራሲኡ ተስፋማርያም ከኣ፡ ብተውህቦ ዝጸገወ፡ ብፈጠራውነትን ቅጀላን ሓሳባትን ዝተዓደለ፡ ሕመረት ቋንቋን ባህልን ኣዕሚቑ ብምምርማርን ብምእማርን፡ መለኮታዊ ሰባዊ ጸጋ ምዃኑ ብምእማን ዝለዓለ ክብሪ ሂቡ ህይወቱ ብኡ ተጸሚዱ ንነብሱን ህዝቡን ብውሕልነት ስነጽሑፍ ክሃንጸሉ ዝበቕዐ ጥበበኛን ሓሳባይን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ እየ ሎሚ ኣብዚ ‘ህያው ደብሪ’ ትምረቐሉ ዘላ ዕዙዝ ኣጋጣሚ፡ ታሪኽ ክስራሕ ንምስክር ኣሎና ዝብል ዘሎኹ። ስለዚ፡ ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ስነጽሑፍ ቅንየት ኤርትራ፡ ‘ህያው ደብሪ’ ፈላይ-ዶብ፡ ኣርሓዊ ሓድሽ መድረኽ፡ እምነ-መሰረት ዘመናዊ ቅንየት ክኸውን እዩ በሃላይ እየ። ንቓለይ ከመርትዖ ስለ ዘለኒ ከኣ፡ ቀጺለ ዝተጸምቈ መረዳእታይ ከቕርብ ኣፍቕዱለይ።

Continue Readingንባብ ንትሕዝቶ ቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’