
መኣዲ ንባብ መጻሕፍቲ ኤርትራ (Eri Book Reading Club)
“ዘንብብ ይዕምብብ” ዝብል ሃብታም ብሂል ወለድና ኣሎ። እዞም ኣብ ስደት እንነብር ዜጋታት ከመይ ጌርና ነዚ ምዕቡል ልምድን ባህልንኣብ ዘዘሎናዮ ከነማዕብሎን ከነስፍሖን ንኽእል ካብ ዝብል ቅዱስ ሕልና ተበጊስና፡ “መኣዲ ንባብ መጻሕፍቲ ኤርትራ” (Eri Book Reading Club) ዝተባህለት፡ ኣብ መጽሓፍቲ ኣንቢብካ ምስትምቃር፡ ምትንታን፡ ትሕዝቶ መጻሕፍቲ ምፍታሽን ምክታዕን ዘድሃበት፡መኣዲ ንባብ ከንጅምር ተበጊስና ኣሎና፡፡