


ንባብ ንትሕዝቶ ቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’
ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ሕትመት፡ ብ’ህያው ደብሪ’ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ታሪኽ ይፍጸም ኣሎ ክብል ብዘይምምታእ እደፍር። ገምጋማይ ህውኽን ቅድመ-ብሱልን፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ስምዒታዊን ጥምዓዊን ዘዋጊን ኰይኑ፡ ምስ ግዜ መስሓቄን ዝገብረኒ ዓሻ ድፍረት ከይከውን ስክፍታ የብለይን። በናብባይ ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ ስነጽሑፍ ግጥሚ ኤርትራ ብርቂ መጽሓፍ፡ ሓድሽ እምነ-መኣዝን ዘንብር መበቆላዊ ዕዮ እዩ። ደራሲኡ ተስፋማርያም ከኣ፡ ብተውህቦ ዝጸገወ፡ ብፈጠራውነትን ቅጀላን ሓሳባትን ዝተዓደለ፡ ሕመረት ቋንቋን ባህልን ኣዕሚቑ ብምምርማርን ብምእማርን፡ መለኮታዊ ሰባዊ ጸጋ ምዃኑ ብምእማን ዝለዓለ ክብሪ ሂቡ ህይወቱ ብኡ ተጸሚዱ ንነብሱን ህዝቡን ብውሕልነት ስነጽሑፍ ክሃንጸሉ ዝበቕዐ ጥበበኛን ሓሳባይን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ እየ ሎሚ ኣብዚ ‘ህያው ደብሪ’ ትምረቐሉ ዘላ ዕዙዝ ኣጋጣሚ፡ ታሪኽ ክስራሕ ንምስክር ኣሎና ዝብል ዘሎኹ። ስለዚ፡ ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ስነጽሑፍ ቅንየት ኤርትራ፡ ‘ህያው ደብሪ’ ፈላይ-ዶብ፡ ኣርሓዊ ሓድሽ መድረኽ፡ እምነ-መሰረት ዘመናዊ ቅንየት ክኸውን እዩ በሃላይ እየ። ንቓለይ ከመርትዖ ስለ ዘለኒ ከኣ፡ ቀጺለ ዝተጸምቈ መረዳእታይ ከቕርብ ኣፍቕዱለይ።

ሒደጥ መላለዪ ነጥቢታት ንቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’
መጽሓፍ፤ ህያው ደብሪ ደራሲ፤ ተስፋማርያም ወልደማርያም ጅር ወይ ጃንዳ፤ ስነግጥሚ / ቅንየት ገጻት፤ 492 ኣሕታሚ፤ ኣሕተምቲ ሕድሪ ሄኖክ ተስፋብሩኽ ኣስመራ – ሆቴል እምባሶይራ 06 ለካቲት 2019 እዚ… Read more »

Hiyaw Debri Booklet Cover

ሒደት ብዛዕባ ‘ህያው ደብሪ’
እኩብ ቅንየታት ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ 12 ምዕራፋት ዝተጠርነፈ 158 ግጥሚታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ብትሕዝቶኡ ሰፊሕን ዓሚቝን ብቕርጹ ድማ ልሉይን ጽባቐኣውን እዩ። ኣብቶም ግጥሚታት ብጻዕቂ ዝተኸሸኑ ቛንቋኣዊ ባእታታትን ዝዓቘሮም… Read more »