ሓምድ እድሪስ ዓዋተ (Hamid Idris Awate)

$25.99

ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
1915-1962

ብሃይለስላሴ ወልዱ
ገጻት፡ 506
ISBN 978-99948-0-170-1
ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር፡ ኣስመራ፡ 2018

ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ከባቢ 1915 ኣብ ሃባራ-ዳ ሞጐራየብ ተወሊዱ። ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝዓበየ ሓምድ ብ1935 ኣብ ዕስክርና ጣልያን ተኸቲቡ፡ ኣብ’ቲ ፋሺሽት ጣልያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈለሞ ወራር ተሳቲፉ። ኣብ 1940-41 ንውሱን እዋናት ኣብ ከሰላ ከም ኣኽባሪ ጸጥታ ተመዲቡ ሰሪሑ። ምስ ምብቃዕ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ጣልያን ተሳዒሩ እንግሊዝ ኤርትራ ምስ ተቛጻጸረ ከኣ ዓዱ ኣትዩ።
ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ሽፍትነት ስለ ዝተጓሃሃረ፡ ንባዕሉ ሸፊቱ ኣንጻር ናይ ውሽጢ ይዅኑ ካብ ደገ ዶብ ሰጊሮም ጥሪት ዝዘምቱ ዝነበሩ ሸፋቱ ተላዒሉ ንህዝቡ ይከላኸል ነይሩ። ሓምድ 1951 ብኣዋጅ ምሕረት ንእንግሊዝ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፡
ኣብ እዋን ፈደረሽን፡ ኣንጻር’ቶም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ ዝነበሩ
ሰበስልጣን መርገጺ ስለ ዝነበሮ፡ 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝኣወጀ ሓርበኛ’ዩ።

ብዛዕባ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962’…

ኣፈ-ታሪኽ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ከም ቀዳማይ ምንጪ ኣገዳሲ’ኳ እንተ ዀነ፡ ደራሲ ካብ 1983 ክሳብ 2017 ምስ’ቶም ዳርጋ ኩሎም ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታ፡ ንዝተፈላለየ መድረኻት ህይወትን መዳያት ተመኵሮን ሓምድ ዝምልከት፡ 65 ቃለ-መጠይቓት ኣካይዱ።

መብዛሕትኦም ሕጂ ብህይወት ዘየለዉ ብምዃኖም ድማ ንኣፈ-ታሪኽ ካብ ምጽናት ኣድሒንዎ ኣሎ።

ሃይለ ምስ ታሪኽ ህይወት ሓምድ ን35 ዓመታት ምጒዓዝ፡ ንሓምድ ክሳብ ከም ቀረባ ዝፈልጦ ሰብ ከም ዘኽብሮን ከም ዘድንቖን’ኳ እንተ ገበሮ፡ ከም ተመራማሪ ግን ናጽነቱን ሚዛኑን ኣየስሓቶን። ከም ኤርትራዊ ተጋዳላይ ከኣ ንታሪኽ ብፖለቲካዊ እምነቱ ክኽልሶ ኣይፈተነን። ስለዚ፡ ሃይለ ንሓምድ፡ ኣብ ኩሉ መድረኻት ህይወቱ፡ ካብ ገጠራዊ ንእስነቱ፡ ክሳብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ መቓን ናይ ነፍሲ-ወከፍ እዋን ኣእትዩ፡ ብዘይ ቅድመ-ፍርዲ፡ ጠውቂ ብዘይብሉ ክፉት ኣረኣእያ፡ ሻራ ከይሓዘ፡ ብልቦናን ሚዛናውነትን፡ ንመላእ ታሪኽ ህይወቱ ምስ ሓፈሻዊ ናይ እዋኑ ታሪኽ ኤርትራ ብምዝማድ ብወድዓዊ ስነ- ፍልጠታዊ ኣገባብ ኣጽኒዕዎን ጽሒፉዎን ኣሎ።

ከም ልቢ-ወለድ ብዝንበብ ዋሕዚን ምንጥልጣልን፡ ንሓምድ ከም ጽውጽዋያዊ ገጸ ባህሪ ‘ወዲ ዓዋተ’ ዘይኰነስ፡ ከም ምሉእ ሰብ ሰብ፡ ተዋጋኢ፡ መራሒ፡ ምስ ኩሉ መንፋዓቱን መንቅባቱን፡ ቅንዕንኡን ኣበራቱን፡ ተጋራጫውነትን ስግንጢራትን ህይወቱ ከቕርቦ ዝበቕዐ ከኣ ይመስለና።

SKU: Awate Category:

Description

The most complete biography of “Hamid Idris Awate”.

Additional information

Weight 29 oz
Dimensions 2 × 6 × 6 in