Description
ቢሮክራሲ: ምስ ቃልሲ ከተማ
ውሑዳት ኣብ ዝኸዱዎ ጎደና ትብዓት
ቢሮክራሲ፡ ከም ወካሊ ሓይልን ብቕዓትን “ምስጢራዊ ስርሒታት ከተማ” ህዝባዊ ግንባር ክግለጽ ዝጀመረ ኣብ መጽሓፍ ብዓሉ ግርማ (ኦሮማይ) ምስ ሰፈረ እዩ። ቅድሚኡን ድሕሪኡን፡ ንጸላኢ ዘርዓደን ዘናወጸን ኣደናቒ ምስጢራዊ ስርሒታት ከተማ ተፈጺሙ’ዩ። ኣብ ኣፋዊ ዕላላት ሕብረተሰብና፡ ካብ ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣትሒዙ ዝጥቀስ ኣፍካ ማይ ዘምዑግ መስደምም ቅያታት ብዙሕ’ዩ። ብግቡእ ስለ ዘይተዘንተወ ግን ናብ ጽውጽዋይ ዝቐርብ እናመሰለ ይኸይድ ኣሎ። ምምጻእ “ቢሮክራሲ” ከፋቲ በሪ ክኾነልና እምነ።
ኣብዚ ዝተሓላለኸ ስርሒታት ከተማ ዝጸዊ ጥበብ ኣዘናትዋ ዝርኣየሉ መጽሓፍ’ዚ፡ ቢሮክራሲ ዝበሃል መሕደሪኡን መውዓሊኡን ዘይፍለጥ፡ ኣብዚ ኣሎ እናበሉዎ ኣብቲ ዝጸንሕ “ወዲ ሕድርትና” መሰል ፍጥረት’ዩ ጎሊሑ ዝርአ። ዘናውጽ ቅያታ ከምዛ ሓንቲ ዘይገበረ፡ ኣብ ማእከል ጸላኢ ቀሲኑ ይነብር። ሃድን ድሙን ኣንጭዋን ክመስል፡ ናይ ሞትን ህይወትን መስርሕ እናኸደ፡ ንተልእኾኡ “ብዝለዓለ ክእለት ቅርጽኻ ምስባር” ይፍጽሞ። ንሓንሳእ ዘይኮነ፡ ንዓመታት በዚ ቅያ ዝመለለዪኡ ጎደና’ዚ ተመላሊሱ። ኣብዚ መጽሓፍ፡ ኣሰር ቢሮክራሲ ክትክተል ኣብ ዘይትኣትዎ ገደል የለን። ኣብቲ ጫካ ብዙሕ ግዜ ተጥፍእ፣ ጉዕዞ ቢሮክራሲ ግን ይቕጽል።
ቢሮክራስን ብጾቱን፡ ዕላማኦም ንምፍጻም፡ ትብዓትን ብልሓትን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣበሪኾም፡ ከም ዓለቕቲ ኣብ ጎሮሮ ጸላኢ ሰፊሮም፡ ዝኣቱን ዝወጽእን፡ ዝሕለምን ዝጥጃእን ውጥናት ጸላኢ እናለቐሙ፡ ንቕድመ ግንባርን ደጀንን ሰውራ ጽኑዕ ደጀን ኣብ ከብዲ ጸላኢ ሰሪሖም። “ግድን’ዩ ሰውራ ኤርትራ ክዕወት!” ዘብል ቅያዊ ዛንታ፡
እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኣልበም ምዑታት ጀጋኑ ቃልሲ ከተማ’ዩ ዘብሎ፡ ንብዙሓት ኣባላት ስርሒታት ከተማ ይጠቅስ። ሰውራ ኤርትራ ናይ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ምስክርነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ብቕዓቱ ጥርዚ ምስክርነት’ውን’ዩ። ቢሮክራስን ብጾቱን ንዝወደቑሉ ዕላማ ሃገር ህይወት ዝሃበት ኣገዳሲት ሰነድ’ያ፡፡ ንብዙሓት ኣንበብታ፡ ኣውራ ድማ ንመንእሰያት ኤርትራ፡ መስተንክር ቅያ ዝሓለፈ ኣዝንትያ እተሐብንን እትብድህን መጽሓፍ።
ደጊም፡ ኣብ ማህደረ ቃላትና፡ “ቢሮክራሲ” ዝብል ቃል፡ ብግብራዊ ኣብነት ቃል ትብዓት፡ ብልሓትን ጅግንነትን ክውክል’ዩ። ንቕያ ቃልሲ ከተማ ገድሊ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣውራ ድማ ነቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ክብሪ እትህብ፡ ዕምቆትን ስፍሓትን ዝመለለዪኣ፡ ግድን ክትንበብ ዘለዋ መሳጢት ኤርትራዊት መጽሓፍ፡፡
ማና ባህረ፡ ውህሉል ብቕዓትካ ኣርኢኻና ኢኻ’ሞ እንቋዕ መጎሰካ። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ በታ ንቢሮክራሲ ኣብ ሓደገኛ ቃልሲ ከተማ ንኽኣቱ ዝወደበቶ ኣልማዝ ሓፍቱ ኣመና ተገሪሙ።
ኤፍረም ሃብተጽዮን
ኣሕተምቲ ሕድሪ



