Description
ብዝሒ ገጻት፡ 512
ግዜ ሕትመት፡ ግንቦት 2016
ኣብ ክፍልታት ህ.ግ. ዝነበረ ገድላዊ ህይወት ብሰብኣዊ መዳይ ዘንጸባርቑ 35 ዝተፈላለዩ ዛንታታት ዝጠርነፈት መጽሓፍ እያ። ኣብ መእተዊ፡ ንኣመሰራርታ፡ ዕማማትን ኣቃውማን ክፍልታት ውድብ ህ.ግ. ዘላሊ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብቶም ሓጸርቲ ዛንታታት ከኣ፡ ግደ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለያ ክፍልታት ተመዲቦም ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልቲን ተቓላስይ ህዝቢን ዝገልጹ ሓያሎ ዝኽርታት ተዘንትዮም ኣለው። ጻዕሪን ተበላሓትነትን ኣባላት ህንጻ፡ ጋራጅን ኢደ ስርሓትን፣ ብውሽጣዊ ዓቕሚ መድሃኒት ንምፍራይ ዝተወስደ ተበግሶ፣ ህዝቢ ንምንቃሕን ህዝባዊ ስልጣን ንምድልዳልን ብኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር ዝካየድ ዝነበረ ስርሓት፡ ድምጺ-ሓፋሽ-ኤርትራ ካብ ጸላኢ ንምኽዋል ዝተሓልፈ መስርሕ፣ ኣጽዋር ንምዕቃብን ዓቕሚ ተዅሲ ህዝባዊ ሰራዊት ንምዕባይን ዝተኻየደ ጻዕሪ፣ ፍቕሪን መርዓን ኣብ ገድሊ፣ ንጥፈታት ሓፋሽ ውድባት ኣብ ወጻኢ ወዘተ. ገለ ካብቶም ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ተተንኪፎም
ዘለው ተሞኲሮታት እዮም። “ብድሆ ክልተ ግንባራት”፡ “ንዘይመውት ተስፋ ኣለዎ”፡ “ሩባ- ግራሻ ዝወለዶ ፍቕሪ”፡ “መምህር ኢኻ”፡ “ዘይተዓደለት ዓይኒ”፡ “ኣብ ሕቝፎ ህዝቢ”፡ “ማሕታ ሓሞት ሓርማዝ”፡ “ስዩም ተገኝ”፡ “ስዉር ዋርድያ”፡ “ህይወት ዝኽፈላ ህይወት” ዝብላን ካልኦትን ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ ካብ ዝርከባ ጉሉሓት ዛንታታት እየን።