ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን 1956-1962

$29.99

Federation 1956 – 1962: Federation 1956 – 1962 (Tigrinya Edition)

Category:

Description

መቐጸልታ ናይ ኣይንፈላለን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላን ኮይና፡ መዛዘሚት ናይዚ ንታሪኽ ኤርትራ ናይ 1941 ክሳብ 1962 ዝተረኸ ሰለስተ ተኸታታሊ ቕጽታት እውን እያ። ስለዝኾነት፡ ንድሕሪት እናተመልሰት፡ ኣቐዲሙ ንዘይተዳህሰሰ ሓበሬታን ሰነዳትን ብምውካስ፡ ንትርጉም፡ ኣገዳስነትን ኣበርክቶን ናይቲ እዋን ንዝቐጸለ ታሪኻዊ ምዕባለ ኤርትራ ኣዘንትያን ተንቲናን ኣላ፡፡ ቅድሚ ምምስራት ሓራካ፡ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ጐበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያን ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ተማሃሮን ሸቃሎን ድማ ብፍላይ፡ ተጠርኒፎም ይኹን ብጕጅለን ብውልቅን ዘካየዱዎ ተባዕ ቃልሲ፡ ካብቲ ነዛ መጽሓፍ ዘሀብተመ ትሕዝቶ እዩ፡፡ ሓጺር ታሪኽ ሓራካን ኣጀማምራን ቀዳሞት ዓመታትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፡ ብወድዓዊ (ob- jective) መገድን ሓዲሽ ሓበሬታ ብምጥቃምን ክቐርብ ምኽኣሉ፡ ንመጻኢ ምርምር ሰፊሕ ባይታ እትፈጥር መጽሓፍ’ውን እያ።