Description
ብዝሒ ገጻት፡ 470
ግዜ ሕትመት፡ ለካቲት 2015
ብኣጋጣሚ ኣብ ብሩራዊ እዮቤልዩ ‘ስርሒት-ፈንቅል’ ዝተሓትመት መጽሓፍ “ፈንቅል” ኣብቲ ታሪኻዊ ስርሒት ዝተፈጸሙ ቅያታት፡ ከምኡ’ውን ብተዘዋዋሪ ነቲ ስርሒት ዝጸለዉ ፍጻመታት ዘንጸባርቑ 37 ዛንታታት ዝሓዘት እያ። ኣብ መእተዊ፡ ሰውራ ኤርትራ ናብዚ ስርሒት’ዚ ንከብጽሕ ዝሓለፎም መድረኻት፡ ውጥንን ኣፈጻጽማን ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ነቲ ዓወት ዝዓቀበ ሓያል ምርብራብ ግንባር ጊንዳዕን ዘብርህ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ንነፍስወከፍ ዛንታ ዘሰንዩን ንዝተፈላለየ መድረኻትን ገጻትን ናይቲ ስርሒት ብስእላዊ ጽውያ ዝገልጹን ስእልታት ብብዝሒ ሰፊሮም ኣለዉ። ንኣፈጻጽማ ናይቲ ውግእ ዘረድእ ወተሃደራዊ ካርታ እውን ቀሪቡ ኣሎ። “ቦምባ ታንክ ዝጎነጾ ጅግና”፡ “ኣርሓ ግንባር”፡ “ዳማ ፈንቅል”፡ “በታ ሓንቲ ሂምታ”፡
“ኮማንደር ቍ.1”፡ “ኣምዑት ጅግና ኣብ ባሕሪ ስጋለት”፡ “ሳባ ላምፐን”፡ “ጽምኣት ልቢ”፡ “መስርዕ ዜና ኣብ መጋርያ ቅብጸት” ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት መሰጥቲ ዛንታታት ድማ ኣብዛ
መጽሓፍ ይርከቡ።