ገድሊ ደቀንስትዮ (Gedli Deqenstyo)

$23.99

ዛንታታት ተመኵሮ ገድሊ

ቅጺ – 6

Description

ሓደ ካብ ፍሉይነት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደቀንስትዮ ብብዝሒ ዘሳተፈ ምንባሩ እዩ። ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ተሳትፎ ደቀንስትዮ፡ ብትሕዝቶ ነቲ ቃልሲ ምሉእ ዝገበረ፡ ብቕያታት ዝተመልአ ተመኵሮ እዩ። ገድሊ ደቀንስትዮንገለ ካብቲ ደቀንስትዮ ዘሕለፍኦ ናይ ቃልሲ ህይወት ዘንጸባርቑ 38 ዛንታታት ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ዛንታታት’ዚ፡ ኣብቲ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣእቲኻ ክርአ እንከሎ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ኣይከሓድን።

ኣብ መእተዊ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ብኸመይ ንሓያል ቀይዲ መስፍንነትን ኣባታዊ ስርዓትን ፈንጢሰን ሱታፌአን ኣብ ቃልሲ ከረጋግጻ ከም ዝኸኣላ ዘብርህ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብቶም ዝስዕቡ ዛንታታት ከኣ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ቅድመ-ግንባር ይዅን ኣብ ካልእ መዳያት ናይቲ ቃልሲ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋተን ተሰሊፈን ዝፈጸመኦ ቅያታትን ዝኸፈልኦ ዋጋን ዘርኢ ዛንታታት ቀሪቡ ኣሎ። ክልተ ኣሕዋት ኣደን ጓልን፡ ሃና ኣርኣያ ምስ ኣርኣያ፡ ፍቕርን መስዋእትን፡ ቀታሊት ቅትለት፡ ጃፓን ወዶ-ገባ፡ ድፋዕ ማይሽሮ፡ ደሃይ ኣቦኣ ረኺባዶ? እታ መህጸን፡ ኣደይ ዘይነብ ያሲን፡ ድኳን ኤልሳ ዝብላ ዛንታታት ከኣ ገለ ካብ’ተን ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊረን ዘለዋ ዛንታታት እየን።

ተመኵሮ ደቀንስትዮና ንኸብሕታት ኣብያተ-መጽሓፍትና፡ ፊልምታትና፡ ድራማታትና፡ ኮታ ንዅሉ ጥበባዊ ስራሓትና ኣኺሉ ዝተርፍ ረዚን ትሕዝቶ ኣለዎ። እዚ ተበጊሱ ዘሎ ስራሕ እምበኣር፡ ግዜን ዕድልን እንከሎ፡ ተመኵሮ ንምስናድ ምቅልጣፍ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር እዩ። መጽሓፍ ገድሊ ደቀንስትዮከኣ፡ ንኻልእ ሰፊሕ ስራሕ ከፋቲት በሪ ክትከውን ንትስፎ።