Description
ምስ መዓልቲ ሰማእታት 2017 ተጋጢሙ፡ ግፍዒ ዝተሰምየ 8ይ ቅጺ nዛንታታት ተመኵሮ ገድሊ ንሓትም ኣሎና። እዚ ቅጺ’ዚ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሸውዓተ nቅጺታት ዝተፈልየ ትሕዝቶ ኣለዎ። ዝሓለፈ ቅጺታት ኣውራ ኣብ ተመኵሮ nተጋደልቲ፡ ብፍላይ ድማ ወተሃደራዊ ተመኵሮ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዛጊት ተሓቲሙ ዘሎ 227 ዛንታታት ከኣ፡ ብቐንዱ ተመኵሮ ተጋደልቲ፡ ከምኡ’ውን nህዝቢ ቀሪቡ’ሎ። ካብዚ ዝተፈልየ፡ እዚ ቅጺ’ዚ ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጋዜጣታት nሓሓሊፉ ዝተጻሕፈ ዓንቀጻት እንተ ዘይኰይኑ፡ ብግቡእ ዘይተጻሕፈ ኣብ ልዕሊ nህዝቢ ኤርትራ ብገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ዘስደምም ግፍዒታት ዝትርኽ 43 ዛንታታት ሒዙ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ማእከል ምርምርን ስነዳን ተዓቂቡ ካብ ዘሎ ወግዓዊ ሰነዳት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ፡ እዚ ግፍዒታት’ዚ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝተፈጸመ ፖሊሲ ምንባሩ ዘረጋግጽ፡ ካብቲ ሰነዳት ዝተዋጽአ ጥቕስታትን፣ ነዚ ግፍዒታት’ዚ፡ ኣብ ታሪኻዊ መቓን ብምእታው ንምግላጹ ዝሕግዝ ሓፈሻዊ ታሪኻዊ መእተውን ቀሪቡ ኣሎ።