Description
ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለምና ብንውሓቱን ምረቱን ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ክርከቦ ዝኽእል፡ ተጸብጺቡን ተጻሒፉን ክውዳእ ዘይክእል ቅያታት ዝሓቘፈ እዩ። እቲ ብ1 መስከረም 1961 ዝጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተፈላለየ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምዕባለታትን ፈታኒ መድረኻትን ሰጊሩ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ብ24 ግንቦት 1991 ብዓወት ተዛዚሙ።
መፈጸምታእምበኣር፡ ብኣጋጣሚ ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ፡ ንዝኽሪ ናይቲ ናጽነት ክውን ዝገበረ ናይ መወዳእታ ግጥማትን ሃዋሁ ናጽነትን ዝተሓትመ መጽሓፍ እዩ። ድሕሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ካብ ክፍላ ለካቲት 1990 ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ናጽነት፡ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ፡ ዞባ-ደቡብ፡ ኣብ ደንካልያን ውሽጢ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝሓተተ፡ ናይ ድሮ ናጽነት ወተሃደራዊ ግጥማት፡ ከምኡ’ውን ነቲ ግንባር ደቀምሓረ ብምፍራስ፡ ምትሓዝ ኣስመራ ዘበሰረ፡ ዛዛሚ ስትራተጅያዊ መጥቃዕቲ ዘንጸባርቑ 36 ዛንታታት ሓቚፉ ኣሎ። መእተዊ፡ ኣብ ድሕሪ ስርሒት ፈንቅል ብምትኳር፡ ንምርብራብ ግንባር ጊንዳዕ፡ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝቐጸለ ሓያል ምርብራብ፡ ወፍሪ ደንከል፡ ከምኡ’ውን ህዝባዊ ሰራዊት ዶብ ሰጊሩ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ወያነ ብምስላፍ፡ ካብ መጥቃዕቲ ሽረ ክሳብ ምትሓዝ ኣዲስ-ኣበባ ዘካየዶ ሓያሎ ግጥማትን ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ግንባር ደቀምሓረን ምትሓዝ ኣስመራን ዘብርህ ስፊሕ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ። ንነፍስ-ወከፍ ዛንታ ዘሰንዩን ነቲ ዛንታታት ዝሽፍኑዎ መድረኽ ዘጕልሑን ኣሳእል ድማ ብብዝሒ ሰፊሮም ኣለዉ። ነቲ ኣብ መወዳእታ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ፡ ደንካልያን ውሽጢ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ውግእ ዝገልጽ ወተሃደራዊ ካርታ’ውን ተተሓሒዙ ቀሪቡ’ሎ።
ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ 26 ጸሓፍትን ሓያለ ኣዘንተውትን ተሳቲፎም። ኲናት ካብ ስነፍልጠት ንላዕሊ ስነጥበብ’ዩ፡ ሽፋ ሹም ዑመር፡ ወፍሪ ሶይራ-ቆሓይቶ፡ ክላሽን ብበትሪ፡ 50 መዓልቲ ቅድሚ ናጽነት፡ ትንቢት ዓብዱራሕማን፡ ሓመድ ሃገረይ፡ ሞባእ፡ ሓይሊ-ሓርነት፡ ከዋኽብቲ ቀትሪ፡ ተስፋይ ኣብ ሕረት፡ ዝከኣለኩም ግበሩ… ዝኣመሰሉ ዛንታታት ድማ ቀሪቦም ኣለዉ።