ናቕፋ (Nakfa)

$29.90

ዛንታታት ተመኵሮ ገድሊ

ቅጺ – 7

Description

ብዝሒ ገጻት፡ 704 ግዜ ሕትመት፡ ሚያዝያ 2017

ናቕፋ፡ ናቕፋ፡ ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስማ ጎሊሑ ዝጥቀስ፡ ትእምርቲ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን፡ ኤርትራን ህዝባን መንነቶም ኣድሚቖም፡ ኣብ ርስቶም ክህልዉን ክቕጽሉን ምዃኖም ዘግሃደት፡ ኣብ ግዜ’ቲ ኲናት ብወተሃደራዊ ስትራተጂ ኮነ ብፖለቲካዊ ዕላማታት ልዑል ኣገዳስነት ዝነበራ ታሪኻዊት መዲና እያ። ናቕፋ ሓንሳእ ካብ መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓራ ምስ ኰነት ንካልኣይ ግዜ ዘይተደፍረት፡ መርኣያ ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ እያ። በዚ ድማ ክሳብ መጸውዒ ባጤራ ሃገረ ኤርትራ ብምዃን ልዑል ክብሪ ክትረክብ ዝበቕዐት ሓወልቲ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ እያ። ንክብራን ዕብየታን ዝገልጽ ከኣ ብዙሕ ተገጢሙላን ተደሪፉላን እዩ።

ብኣጋጣሚ መበል 40 ሓርነት ናይዛ ትእምርቲ ጽንዓትን ጅግንነትን ኤርትራውያን ዝኾነት ከተማ ናቕፋ፡ ኣሕትመቲ ሕድሪ ምስ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ካልኦትን ብምትሕብባር፡ መቐጸልታ ናይተን ቅድሚ ሕጂ ዝተሓትማ ቅጺታት፡7ይ ቅጺ፡ “ናቕፋ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣሕቲሙ ኣሎ።